Who Run the Fake "Eritrean Press"? Now, Just Confirmed! ኤሪትሪያን-ፕረስ(EP) ዝተባህለ ናይ ሓሶት ቅዳሕ ፈይስቡክ ተፈሊጡ!

Updated: May 2

Who Run the Fake "Eritrean Press"...?

Now, Just Confirmed....!

ኤሪትሪያን-ፕረስ(EP) ዝተባህለ ናይ ሓሶት ቅዳሕ ፈይስቡክ ገጽ መን የካይዶ?


Two TPLFits "Soldier of Fortune" (ክልተ ብኸብዶም ዝተዓስቡ ዲጂታል ጃንዳ)፡



Eritrean Press ኤሪትሪያን-ፕረስ(EP) ዝተባህለ ገጽ ናይ ፈይስ-ቡክ፣ ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራን ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ጽሑፋት ዘዉጽእ ኣዚዩ ህቡብ ድሕረ-ገጽ (Page) ከምዘሎ መቸም ኩልና ንፈልጥ ኢና። ምድንጋር ንኸይፍጠር፣ ኣብዚ ክንጠቅሶ ንድሊ እንተደኣ ኣሎ ኾይኑ፣ ብሓደ ዓይነት ስም ክልተ ገጻት ስለ ዘሎ፣ እቲ ሓቀኛ ኤሪ-ፕረስ(EP) ዝተባህለ ገጽ ናይ ፈይስ-ቡክ፣ እቲ ዝበዝሐ ሰዓብቲ ማለት ኣስታት 300,000(ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ) ሰዓብቲ ዘለዎ እዩ።


ዕላምኡ ድማ ምድንፋዕ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ጎኒ ጎኑ ድማ ንውዲት ወያነ ኣብ ምፍሻል ዝነጥፍ ኮይኑ፣ ብኣብ ሎንዶን ዓዲ-እንግሊዝን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ዝምቅማጡ ኤርትራዊ ዝዳሎ እዩ።


እቲ ካልኣይ ናይ ሓሶት(Fake) ኤሪትሪያን-ፕረስ(EP) ዝተባህለ ገጽ ግና ውሑዳት ማለት ከባቢ 30,000 (ሰላሳ ሽሕ) ጥራይ ዝኾኑ ሰዓብቲ ዘለዎ መደናገሪ ድሕረ-ገጽ ኮይኑ፣ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽልኢ ንምፍጣር ዝጉስጉስ እዩ።


እዚ ናይ ሓሶት ኤሪትሪያን-ፕረስ(EP) ዝተባህለ ገጽ፣ ቀንዲ ዕላማኡ ንህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ብፍላይ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ብጽልኢ ከምዝትንስኡ ገይርካ፣ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ብምእታው፣ ንጃንዳ ትንፋስ ንምሃብ ሓሶት ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ቅዳሕ ፈይስቡክ ገጽ እዩ።


ኣብ ርእሲኡ ነቲ ብሓቀኛ ኤሪትሪያን-ፕረስ(EP) ዝግበር ንጥፈታት ንምርባሽን ምዝራግን ዉን እዩ። እቲ ብናይ ጃንዳ ኣባላት ከምዝዳሎ ኣቀዲሙ ፍሉጥ ዝኮነ ናይ ሓሶት(Fake) ኤሪትሪያን-ፕረስ(EP) ዝተባህለ ገጽ፣ ብልክዕ መንነቶም ንምፍላጥ ብዝተገብረ መስርሕ፡ እዚኦም "ሃብቶም በርሀ" ምስ "ኣዶናይ ሓበሻዊ" ዝተባህሉ ዕሱባት ኣመሓደርቲ (Admins) ኮይኖም፣ ንዓኣቶም ዘወሃህድ ድማ ኣሉላ ሰሎሞን ክኸውን እንከሎ፣ ኣለም ገብረዋህድ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ወያነ ድማ መዋልን ኣላይን ናይ ኩላቶም ኣብ ከምዚ ስራሕ ዝተዋፈሩ ካድራት እዩ።


ህዝቢ ትግራይ ኮነ ህዝቢ ኢትዮጲያ ክፈልጦም ስለዘለዎን፡ ጽባሕ ንጉሆ ንናይ ዘይረብሕ ንከብዶም ክብሉ፡ ብሓሶትን ቅጥፈትን ንህዝቦም እንታይ ይዘርእሉ ኣለዉ፡ በዚ መጠን እንታይ'ከ ክዓጽድ'ዩ ክግንዘብ ስለዘለዎ፡ ኣሳእሎም ሓዊስና ዉን ዘርጊሕናዮ ኣለና።


ስለዚ ኩሉ ተኸታታሊ ነዚ ኣስተውዒሉ፣ ነዚ ናይ ጃንዳ ወያነ ዝኾነ መጣቆሲ ናይ ሓሶት ቅዳሕ ኤሪትሪያን-ፕረስ(EP) ዝተባህለ ገጽ ፣ ብዝተኻእለ መጠን ከነወግዶን፣ ካብ ምስዓቡ ክንእደብን ንላቦ።


ንመላእ ህዝብታት ኢትዮጲያ እዚ "Report" ክበጽሓሉ ዝክእል መንገድታት እንዳኣጣጣሕና ኢና፡ ምስ መራሕቶም ኣብ ሆቴላት ዉሸባ ክኸዉን'ዩ ናብርኦም...፡ ከምኡ ዉን እዞም ሰባት ድማ በዚ ተግባራቶም ምስቶም ኣቀዲሞም ብፍላጥ ኣብ ዓንኬል ዓሌትነትን ቢሄርን ኣቲዮም፡ ህዝብታት ዞባና ንምብላዕ ኣብ ወፈራ ጽልኢ ተጸሚዶም ዘለዉ ጃንዳታት፡ ኣብ ጸሊም መዝገብ ክሰፍሩን፡ ዋግኦም ድማ ክቅበሉን ኢዩም።


ዓወትንሓፋሽ...!!!

NationalEr Interest

53 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.