Mission 01፡ Insuring Medical Equipments ተልእኾ ቁ. 01፡ ምዉሓስ ወሰንቲ ናዉቲ ሕክምና፡

Updated: Apr 15

N.B. It is up to our Health Professionals to lead by their guidelines, but here is some our Recommendations.


(MSLVM11W) Hospital/medical Ventilator Equipments/machine Portable Ventilator Unit Cost: $600 - 2000 USD


Medical Breathing Apparatus ICU Ventilator Machine Unit Cost: $2,445 - 2,600 USD


#NationalEr፡ ብቀንዱ ንክኢላታት ዝግደፍ ዕማም እኳ እንተኮነ፡ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ግን ኣብ መዳይ እዚ ተላባዒ ሕማም፡ ኩለን ሃገራት ማዕረ እቲ መጠን ብዝሒ ሕሙማን ምዉሳኽ፡ ብዋሕዲ እዚ ሜካኒካዊ ቬንትሌተር ክሽገራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሰሚዕና፡ ኣቀድም ኣቢሉ ካብ ቻይና ሓገዝ ክንሓትት ኢና ክብል ዝሰማዕናዮ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዉን፡ ትማል 30 መጋቢት ልዕሊ 10,000 እዚ መሳርሒ ሕክምና ከምዘዉሓሰ ይዛረብ ኔሩ።

ሕማም ኮሮናቫይረስ ብቀንዱ ንስርዓተ ምትንፋስ ስለዘጥቅዕ፡ ብሕጽረት ምትንፋስ ተሳሒጉ ንከይመዉት፡ ሓደ ካብቲ ግቡእ ስርሑ ዝሰርሕ ኣቅሓ ሕክምና እዚ ሜካኒካዊ ቬንትለተር'ዩ።

ስለዚ፡ ንጥፈታት ኤሪስፖራ፡ "ኤርትራዊ መኸተ ንጸረ ኮሮናቫይረስ"፡ ጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎ መጠን፡ ቀዳማይ ተልእኽኡ ኣብ ምዉሓስ እቲ ዘድሊ ቁጽሪ እዚ ዓይነት መሳርሒ እንተነጠፈ፡ እቲ ዝበለጸ'ዩ። ንህዝብና ክንብሎ ንደሊ ዉን፡ እዚ ኣቅሓ ማዕረ ክንደይ ክቡር ምኳኑ፡ ንኣብነት እዛ ዝሓሰረት ዋጋ $600 ዶላር እንተሪኢና እሞ፡ 1000 ቁጽሪ እንተገዚኢና፡ እዘን ተዋጺኤን ዘለዋ ገንዘብ ኣብኡየ'ን ክኣትዋ።

ካልእ ኣብ ርእሲ እዚ ናይ ICU መሳርሒ፡ ናይ መከላኸሊ ኣቅሑ፡ መመርመሪ፡ ብቀንዱ መድሃኒት (ICU Ventilators, Personal Protection, Oxygen, Concentrators, Hospitals Beds)....ወዘተ ወዘተ፡ እቲ ወጻኢታት ከቢድ'ዩ፡ እቲ ተበግሶ ርኢኻ ግን እኩልን ፈረቃን'ዩ፡ ሓቦን ኒሕን ዘስንቅ'ዩ፡ መንግስቲ ዉን ተኮነ ክሳብ $10ሚሊዮን ዶላር ክስልዓሉ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን።



#መወከሲ፡ መወከሲ እዚ መሳርሒ ካብ ዓሊባባ (Alibaba.com) e-Commerce, ኢና ወሲድናዮ፡ ነዚ ዘፍረዩ ድማ Guangzhou Medsinglong Medical Equipment Co., Ltd. ዝበሃሉ ናይ ቻይና ኮባኒያ ኢዮም፡ ከም መተሓሳሰቢ ክንወስዶ ዝግባኣና ግን፡ ጃፓን፡ ደቡብ ኮሪያ ከምኡ ዉን ጀርመን፡ ኣብ መዳይ ሕክምና ነዚ ሕማም ዝበለጸ ዉጽኢት ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ከም ምኳነን መጠን፡ እቲ ተመኩሮን ኣቅሓን ካብኣቶም ክርከብ እንተዝከኣል ዝበለጸ።

እዚ ወድሓና፡ ማዕከን "ኤርትራዊ መኸተ ንጸረ ኮሮናቫይረስ!" ይሰስን፡ Fight COVID-19 in Eritrea Check Out፡ www.eritreafightscovid19.org NationalEr Interest

34 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.