MALI፡ ሪፓብሊክ ማሊ፡ ኣብ ዘበነ ምልካዊ ስርዓትን፡ ዘበነ ዲሞክራሲን፡ ዕልዋ መንግስታት እንታይ'ዩ ቁንቁኝኡ...?

Updated: Aug 22

ኣብ 1992 ዝተነድፈ ቅዋም መሰረት፡ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ እትመሓደር ሪፓብሊክ ማሊ፡ ኣብ ዉሽጢ 10 ዓመት ዘይመልእ፡ መበል 3ይ ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ከተመዝግብ፡ ምስ ምንታይ ክቁጸር ይከኣል፡ ምስ ፖለቲካዊ ባህሊ'ዶ ዋላ ቡኩራት ጽኑዕ መዋቕር ልኡላዉነት፡ ፖለቲካዊን ቁጣብዊን ሓርነት...?


[N.B. ምዕራብ ኣፍሪቃ ግራት ዘበናዊ መግዛእቲ ፈረንሳ]


ኣብ ደረጃ ማዕርግ "ኮረኔል" ዝርከቡ ኣባላት መሰልጠኒ ወተሃደራዊ መዓስከርን ካልኦት ወተሃደራዉያን ትካላት እታ ሃገርን ምኳኖም ዝተነግረሎም መኮንናት ማሊ፡ ብሰሉስ መዓልቲ ዕለት 18, 2020፡ ነቲ ኣብ 2018 ደጊሙ ምርጫ ብምዕዋት ንመበል ካልኣይ እብረ ዝመርሕ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢብራሂም ቦዉባካር ኬታ (Ibrahim Boubacar Keïta - born 29 January 1945) ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ከምዝኣለይዎ ተገልጸ።

ነቲ ዕልዋ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ባማኮ 15 ኪ/ሜ ርሒቁ ዝርከብ መሰልጠኒ መዓስከር "ካቲ" ኮይኑ ዝመርሖ ዝነበረ ምክትል ዳይረክቶር እቲ መዓስከር ኮረኔል ማሊክ ዲያዉ ምኳኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኮረኔል እስማዒል ዋጌ ዉን ኣብ'ቲ ጉዳይ ኢደ ዝሓወሰ'ዩ።


ኣብ መንጎ እቶም ነዚ ዕልዋ ዝፈጸሙ መኮንናት፡ ሓደ ኣብ ፈረንሳ ሰልጢኑ ዝመጸ፡ ምክትል ዳይረክተር ማእከል መሰልጠኒ ወተሃደራት ዝኮነ ጀነራል ከም ዘሎ ዉን፡ ቢቢሲ ትግሪኛ ጸብጺቡ ኔሩ'ዩ።

ፕረዚደንት ኢብራሂም ኬታ፡ ነቲ ዕልዋ ምስ ተረድአ፡ ዝስዕብ ደማዊ ግርጭት ኣብ ግምቲ ብምእታዉ፡ ብቐጥታ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣን ከም ዝተኣሊየ ኣፍሊጡ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ደሓን ጽልዋ ዘለዎ ቁጠባዊ ማሕበር ምኳኑ ዝንገረሉ "ኢኮዋስ"፡ ወይ (Economic Community of West African States - ECOWAS - ዝፍለጥ)፡ ነዚ ዕልዋ ድሕሪ ምኹናን፡ እቲ ፕረዚደንት ናብ ግቡእ ቦትኡ ክምለስን ስርዓት ክሰፍንን ጸዊዑ ኣሎ፡ ድሮ ዉን ፍሉይ ልኡኻቱ ናብ'ታ ሃገር ሰዲዱ ይርከብ።


እቶም ዕልዋ ኣካይዶም ነቲ ብመስርሕ ቅዋም እታ ሃገር ኣብ 2013 ዝተመርጸ እሞ፡ ድሕሪ ናይ 5ዓመታት ቀዳማይ እብረ ዕምሪ ስልጣን፡ ደጊሙ ድማ ኣብ 2018 ዝተመርጸ፡ ን7-ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢብራሂም ኬታ፡ ካብ ወምበሩ ዝኣለይዎ ወተሃደራዊ ማዕርጎምን ኩነታቶምን ብዘየገድስ፡ ስለምንታይ ንመበል 3ይ ግዜ ዕልዋ ኣብ ዉሽጢ እዚ 10 ዓመታት ዘይመልእ፡ ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲ'ዩ።


ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሪፓብሊክ ሃገረ ማሊ፡ ኣብ'ቲ ፈለማ ሰነ 20፡ 1960 ብ"ፈደረሽን ማሊ" (ናይ ሎሚ ሪፓብሊክ ማሊን ሰኔጋልን ዘጣመረ ፈደረሽን) ስያመ ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ሓራ ወጺያ፡ ናጽነታ ኣዊጃ። ደሓር ግን ብነሓሰ 1960፡ ሰኔጋል ካብ'ቲ ፈደረሽን ስለዝሰሓበት፡ ብ22 መስከረም 1960 ሪፓብሊክ ማሊ ልኡላዉነታ ዘኽበረት ነጻ ሃገር ኮይና።

ሞዲቦ ኬታ (Modibo Kieta) ቀዳማይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ፡ ብጽልዋታት ምብራቓዊ ደንበ፡ ሓደ ሰልፍን መንግስትን ተኺሉ፡ ብስርዓት ማሕበርነትን ናጽነት ኣፍሪቃዉያንን መርሓ፡ ክሳብ 19 ሕዳር 1968 ን8 ዓመታት ተጓዒዙ፡ ተኾነ ብጀነራል ማዉሳ ቱራዉረ (Moussa Traore) ካብ ስልጣኑ ተዓሊዩ፡ ክሳብ ሎሚ ድማ እታ ዕለት ከም መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር ክትክበር ተጌሩ፡፡ ብዝሒ ህዝቢ ማሊ ኣብቲ ሽዑ እዋን 4.1ሚሊዮን ኣቢሉ ይበጽሕ ከም ዝነበረ፡ ማዕከን ዊኪፐዲያ ይብርህ።


ጀነራል ማዉሳ ቱራዉረ ዉን ድሕሪ ክሳብ 3 ዝቁጸር ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ፡ በቲ ካብ 22 ክሳብ 26 መጋቢት 1991 ዝተባርዐ ተማሃሮ ዝመርሕዎ ደማዊ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ድሕሪ ክንደይ ዉረድ ደይብ ኣብ መበል 23 ዕድመ ስልጣኑ፡ ካብ ወምበሩ፡ ብሌተናንት ኮረኔል ኣማዶ ቶዉማኒ ቱረ (Amadou Toumani Touré) ካብ ወምበረ ስልጣኑ ተኣለየ።


ኣብ'ቲ ህዝባዊ ናዕቢ ንምስላጥ፡ ማሊ ብቁጠባዊ ሽግራትን ደርቅን ትሳቐ ስለዝነበረት፡ ባዕሉ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)፡ ብመብጽዓታቱ ልዑል ተራ ከም ዝተጻወተ ይንገር።


ብድሕሪ እዚ ሪፓብሊክ ማሊ፡ ንሕብረ-ሰልፍታት ዘፍቅድ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፡ ካብ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ጾታዊ ኣድልዎ፡ ነጻ ዝኾና ሰልፍታት ክቆማ ዘፍቅድ ኣብ 1992 ቅዋም ነደፈት። ኩለን ደገፍ ዘለወን ሰልፍታት ድማ ኣብ ባይቶ እታ ሃገርን ኣብ ቤ/ምኽሪ ምምሕዳርን ዉክልና ክህልወን፡ ክነጥፋ ተጌሩ።


ሓደ ብዲሞክራሲያዊ መስርሕ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ድማ፡ ን5 ዓመታት የገልግል፡ ካልኣይ እብረ ናይ ምዉድዳር ፍቓድ ዉን ኣለዎ፡ ብጠቅላላ እንተነዉሐ፡ ን10ዓመታት ኣብ ስልጣን ይጸንሕ።


በዚ ሕጊ ቅዋም መሰረት ድማ፡ ኣልፋ ዑመር ኮናረ (Alpha Oumar Konaré) ቀዳማይ ብዲሞክራሲያዊ መስርሕ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማሊ ኮይኑ በትረ ስልጣን ተረከበ። ፕረዚደንት ኣልፋ፡ ኣብ 1997 ዉን ንመበል ካልኣይ ግዜ ተመረጸ፡ ክሳብ 2002 ድማ ኣገልገለ።


ኣብ 2002፡ ነቲ ኣብ 1991 ዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ ዝመርሐ ሌተናል ኮረኔል ዝነበረ እሞ ድሒሩ ማዕርግ ጀነራል በጺሑ ብጥሮታ ተሰናቢቱ ዝጸንሐ፡ ኣማዶ ቶዉማኒ ቱረ (Amadou Toumani Touré)፡ ካልኣይ ዲሞክራሲያዊ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማሊ ኮይኑ ተመረጸ። ንሱ ዉን፡ ክሳብ 2012 ንክልተ ተኸታተልቲ እብረ መርሐ፡ እታ ሃገር ድማ ዝጥቀስ ቁጠባዊ ብራኸ ገዲፍካ፡ ኣብ ታሪኻ ዝሓሸ ፖለቲካዉን ማሕበራ ርግኣት ከም ዘመዝገበት ይግለጸ።


ኣብ 2012፡ ብ"ኣዝዋድ" (Azawad) ዝፍለጥ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንምፍንጫል ዝቃለስ "ቷረግ" (Tuareg) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቅ ሓይሊ (Movement of National Liberation of Azawad - MNLA)፡ ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዚያ ናይቲ ዓመት'ቲ፡ ኣብ ርእሲ መንግስቲ ሪፓብሊክ ማሊ ሓያል ኪናት ወለዐ።


እዚ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ንሓደ ኮነ ተባሂሉ ካብ ተዘዋዋሪ "ጊሊያነት ኣይወጻኹን" ዝብል ቀቢላ "ቷረግ"፡ ብሰበኽ ሳግም ዝመሓደሩን፡ ን10% ካብ ጠቅላላ ህዝቢ ማሊ ዝሽፍኑ ሕብረትሰብ ዝዉክል ምንባሩ ይጥቀስ። ሕብረትሰብ ቷረግ፡ ኣብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ማሊ፡ ከም ሰኔጋል፡ ሊብያ፡ ኣልጀሪያ ተመቃቂሎም ዝነብሩ ጎይቶት ምድረበዳ ሳህራ ኢዮም።


ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ዉን፡ ክሳብ 200,000 ዝኮኑ ዜጋታት እታ ሃገር ዝኮኑ ቷረግ፡ ብዘይቀጥታዊ መንገድን ካብ ሕጊ እታ ሃገር ተኸዊሉን፡ ኣብ ትሕቲ እቶም ባህላዉያን ልዑላን ዓሌት (Master) ከም ዝግዝኡ፡ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመላኽቱ ኢዮም።


እዚ ዝጠንቁ ምኳኑ ዝንገር እንበኣር፡ ድሕሪ ናይ ኣስታት 20ዓመት ጉዕዞ ዲሞክራሲ እታ ሃገር፡ ኣብ 2012፡ ሓደ ወተሃደራዊ መኮንን ብካፒተን ኣማዶ ሳንጎ (Amadou Sanogo) ዝፍለጥ ኣብ ርእሲ እቲ ኣንጻር እዞም ዕጡቓት ሓይሊ ድኻማት ኣርኢዪ ዝተባህለ መንግስቲ እታ ሃገር ዕልዋ ዝፈጸመ።


ኣይጸንሐን ዉን ብጸቕጢ ቁጠባዊ ማሕበር ምዕራብ ኣፍሪቃ (Economic Community of West African States - ECOWAS) ካብ ወምበሩ ብግዲ ድሕሪ ምእላይ፡ ኣብ 2013፡ ብዲንኮኡንዳ ቱራዉረ (Dioncounda Traoré) ዝተባህለ ፕረዚደነት ድማ ከም መሰጋገሪ መንግስቲ ተተከአ። እቲ ካፒተን ድማ፡ ንእለት ንወጻኢ ካብታ ሃገር ክሃድም ከኣለ።

ኣብዚ እዋን እንበኣር፡ ዕጡቕ ሓይሊ ቷረግ (MNLA) ነቲ ኩነታት መዝሚዙ፡ ብሓገዝ ኣልቃዒዳን፡ ካልኦት እስላማዉያን ጥሩፋት ጉጅለታትን ተደጊፎም፡ ንሓይልታት መንግስቲ ተቆጻጺሮሞ ዝነበሩ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ድሕሪ ምድፋእን ምቁጽጻሮምን፡ ብሕጊ ሸሪዓ እትመሓደር ሓዳስ ግዝኣት "ነጻ ኣዝዋድ" ኣወጁ።


እዚ ኩሉ ዝኸዉን ዘሎ ብባህሪያዊ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት እቲ ከባቢ ዘይኮነ'ስ፡ ካልእ ኣጀንዳ ከም ዝነበረ ዘብርህ እንበኣር፡ ሰራዊት ፈረንሳ ብመሰረት ወግዓዊ መጸዋዕታ እቲ ብ"ዕልዋ ኣብ ርእሲ ዕልዋ" መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተኸለ ስርዓት ኣብ ማሊ፡ ብ11 ጥሪ 2013 ናብታ ሃገር ኣተወ።


ኣብ ዉሽጢ ክልተ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ ድማ፡ ብ30 ጥሪ ናይታ ዓመት፡ ሰራዊት ልፍንቲ ፈረንሳን መሰጋገሪ መንግስትን ኣብ ርእሲቲ ዑጡቕ ሓይሊ ዓወታት ብምምዝጋብ፡ ካብ ሰሜናዊ ሸነኽ እታ ሃገር ጸራሪጉ ኣወጽኦ።


ብዕለት 2 ለካታት 2013 ድማ፡ ናይቲ እዋን ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንሲስ ሆላንድን፡ እቲ መሰጋገሪ ፕረዚደንትን ዲንኮኡንዳ ቱራዉረን ብቐጥታ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ናይ መወዳእታ ዕርዲ ከተማ እቶም ዕጡቃት ሓይሊ ምንባራ ዝተነግረላ ቲምቡክቱ (Timbuktu) ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣተወት።

ብድሕሪ እዚ ፍጻሜታት፡ እቲ ዓሌትን ብሄርን መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትታት ደዉ ክብል'ስ ይትረፍ፡ ናብ ማእከላይ ሸነኽ እታ ሃገር ዉን ልሒሙ። ኣብ'ቲ ዞባ ዝግበር ሽርሒ ምዉሓስ ስትራተጂካዊ ቁጠባዊ ረብሓታትካ፡ ረብሓታት ፈረንሳ ትመርሐን ሃገራት ምዕራብ፡ ካብ ዓይንን እዝንን ዝተዓደለ ወዲ-ኣዳም ክዉል ኣይነበረን። በዚ ሓዊ ትኣጉድ፡ በቲ ከኣ ማይ ከምጻኣልኩም ትብል፡ ቅጫኻ ተብስል፡ ንሶም ቅጭኦም የሕርሩ።


እዚ ሎሚ ብዕልዋ ተኣሊዩ ዘሎ ፕረዚደንት ኢብራሂም ኬታ፡ እንበኣር፡ ብ4 መስከረም 2013 ብዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ'ዩ ንመበል 6ይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ተዓዊቱ፡ ተርኡ ኣኺሉ ከገልግል ኣብ ስልጣን ደይቡ፡ ንመን'ዩ እቲ ምግልጋል ደኣ'ዩ እንበር እቲ ክንጽር ዘለዎ ጉዳይ።

ፕረዚደንት ኢብራሂም ኬታ፡ ፈለማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዳካር ሰኔጋል፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ፈረንሳ ዩኒቨርስቲ ፓሪስ ቀዳማይ (University of Paris I) ብዓዉዲ ታሪኽ ተማሂሩ፡ ኣብ 1986 ምስ ኣህጉራዉያን መንግስታትን ዘይመንግስታዉያንን ማሕበራት፡ ከም ኤዉረጳዊ መዉል ንልምዓት (European Development Fund)፡ ዝኣመሰላ ትካላት፡ ተቆጺሩ ክሰርሕ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።


ኣብ'ቲ ብ1992 ብዲሞክራሲያዊ መስርሕ ተመሪጹ፡ ቀዳማይ ፕረዚደንት ዝኾነ ኣልፋ ዑመር ኮናረ (Alpha Oumar Konaré) ዘቆሞ መንግስቲ ድማ፡ ካብ 1994 ክሳብ 2000፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ ከገልግል ተመዚዙ ኔሩ'ዩ። ካብ 2002 ክሳብ 2007 ድማ፡ ኣቦወምበር ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ኮይኑ ሰሪሑ።


ኣብ 2018 ደዲሙ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ኢብራሂም ከይታ፡ ብ19 ነሓሰ 2020፡ ድሕሪ ናይ 7ዓመት ኣገልግሎቱ፡ ብተመሳስሊ መንገዲ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ኣሎ።


ምስ'ዚ ኣተሓሒዝካ ክርአ ከሎ እንበኣር፡ ሪፓብሊክ ማሊ፡ ቅድመ ዲሞክራስን ቅዋምን 1992 (ዘበነ ምልኪ) ክልተ ፕረዚደንታት ኔሮም፡ ብርግጽ ክልቲኦም ብዕልዋ ተኣሊዮም።


ድሕሪ ዘበነ ዲሞክራሲን ቅዋምን ዉን፡ ኣብ ዉሽጢ 10 ዓመታት ንሰለስተ ግዜ ክበሃል ዝከኣል ዕልዋታት ተፈጺሙ (2012, 2013 ከምኡ ዉን 2020)።


ሃገረ ሪፓብሊክ ማሊ፡ ኣስታት 20,250,833 ዝበጽሕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ፡ ኣስታት 1,240,192 km2 ትርብዒት ኪሎሜተር ኣቢሉ ዝስፍሓታ፡ ብዕቤታ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መበል 6ይ ደረጃ እትስራዕ ሳሕለ-ሳህራዊት ዓባይ ሃገር'ያ።


ሪፓብሊክ ማሊ ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብባህሪያዊ ትሕዝቶ ሃብታም ሃገር'ያ። ከም ነዳዲ፡ ጋዝ፡ ኮባልት ብዓቢኡ ድማ ብትሕዝቶ ወርቂ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ መበል 3ይ ደረጃ ትስራዕ።


እንተኮነ፡ ካብ 1988 ጀሚራ ገለ ካብ ድኽነት እንተተናገፈት ምስ ኣህጉራዉያን ፋይናንሳዉያን ትካላ (World Bank, IMF) ዋላ ዉን እንተፈረመትን፡ ብቁጠባዊ ምኽሪ ሃገራት ምዕራብ፡ ክፉት ቁጠባዊ ፖሊሲ እንተተኸተለት፡ ክትጓዓዝ እንተጻዐረትን፡ ክሳብ ሕጂ ግን ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለምና ተባሂላ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

እቲ ጉዳይ እንበኣር፡ ናይ ዲሞክራስን ዘይዲሞክራስን፡ ናይ ቅዋምን ዘይቅዋምን ጉዳይ ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ፡ ብዲሞክራሲያዊ መስርሓት ይኹን ምልካዊ፡ ዋላ ዉን ሰዉራዊ ኣገባባት፡ ክሳብ 6 መራሕቲ ሃገር ተቐያይሮም፡ እንተኮነ፡ ኣብ ደረጃ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ይኹን ማሕበራዊ ስኒት፡ ርግኣት፡ ሰላምን ጸጥታን፡ ዝመጸ ለዉጥ'ስ ይትረፍ፡ ሓድነት እታ ሃገር ካብ 1960ታት-70ታት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዝኸፍአ መልክዑ ተጓሃሂሩ፡ ምምቅቃል መጺኡ፡ ስለምንታይ...?


ናይ ሃገረ ሪፓብልኪ ማሊ ደኣ ከም ኣብነት ንወስድ ኣለና እንበር፡ ጸገማት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፍላይ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣ ብሓፈሻ፡ ተመሳሳሊ'ዩ።


ብዕለት 19 ነሓሰ፡ 2020 ኣቢሉ፡ ኒዉዮርክታይምስ (nytimes) "ስለምንታይ ዓለም ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ማሊ ትርኢ ኣላ?" "Why the World Is Watching a Military Takeover in Mali - The New York) ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘስፈሮ ዓንቀጽ፡ "ፈረንሳ ኣብ ዘይዉዳእ ኪናት" ዝብል ሓረግ፡ ነቲ ብምስምስ ጥሩፋትን ሽበራዉያንን ዕጡቓት ኣብታ ሃገር ኮነ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ሰራዊትን ኩባኒያታትን ፈረንሳ ዝከያዶ ዘሎ ምዝመዛ ክትንክፍ ይፍትን'ዪ።


ናይ ማእከላይ ስለያ ኣሜሪካ (ማዉስ - CIA) መርበብ ሓዚልዎ ዘሎ ምስጢር ዉን፡ ዊኪሊክስ (Wikileaks) ከም ዘቃልዖ፡ ንሪፓብሊክ ማሊ ሓዊስካ፡ ኩለን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት፡ ግዳይ ዘበናዊ ባርነትን ከቢድ ማሕለኻን ኮይነን ከም ዘለዋ'ዩ ዘነጽር። ፈይናንሳዊ ትካላት እዘን ሃገራት፡ ክሳብ 2019 ብቐጥታ ብፓሪስ ዝመሓደር ምንባሩ ዉን ይፍለጥ'ዩ።


ብ"ፍራንኮ-"ስም እታ ግዝኣት ነበር" (ex. FRANCO - Malian) ዝጥቀስ ዝተፈላለየ ዉዕላትን፡ ንፈረንሳ ዘርብሕ ሓባራዊ ተበግሶታትን ኣሎ።

[ ንዚያዳ መረዳእታ፡ ብፎክስ ኒዉስ (FoxNEWS) ዝፈረየት፡ "Deep State" ዝተሰምየት፡ ኣብ ካልኣይ እብረ (Season 2) ነቲ ኣብ ማሊን ንዓኣ ዝመስላ ሃገራት ኣፍሪቃን ዘሎ ፖለቲካዊን ቁጠባዉን ጸወታ፡ ዘይምርጋእ - ምርጋእ፡ ምፍጣርን ምምሕዳርን ቅልዉላዉ፡ ብልሽዋት ኮርፐረሽናት ሃገራት ምዕራብ ኣመልኪታ እተርኢ ናይ 10 ተኸታተልቲ ክፋላት ፊልም ዉን ኣላ።]

እቲ ኣብዘን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይርጉኡነት ድማ ኣብዚ'ዩ ዝምርኮስ። ዝኾነ ስርዓት ይኹን፡ ፕረዚደንት ምስ ፈረንሳ ድዩ ኮይኑ ካልእ እዘን ብልሽዋት ኮርፐረሽናት ሃገራት ምዕራብ ተሰሪዑ፡ ክዘምት ኣለዎ። ሕልና ጌሩ፡ ብቅንዕና ክመርሕን ከመሓድርን፡ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ገዛእ ሃገሩን ህዝቡን ክሕሉ፡ ከዉሕስ ምስ ዝፍትን ጥራይ ኣይኮነን፡ ምስ ዝሓስብ ግን፡ ብዲሞክራሲ ይምጻእ፡ ብዓመጽ፡ ብሰዉራ፡ ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ናይ ግድን'ዪ።


ንከብቅዕ ከኣ፡ እቲ ምስምስን፡ ምፍጣር ዓይነታዊ ሽግራት ምምሕዳርን፡ ንክትግምቶ ዉን ኣጸጋሚ'ዪ።


መደምደምታ

እዘን ሃገራት ይኹና ሪፓብሊክ ማሊ፡ ኣንፈተን ናበይ ገጸን ክኸዳየ'ን ንግዜ ገዲፍና፡ ብኣጣቃላሊ ካብ'ዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፡ ብሕጽር ዘበለ ጠቒስና ክንዛዝሞ።


ብዙሓት ሰባት ኣለዉ፡ ብዛዕባ ንስኻ ብቐጥታ ዘይትዝዉሮ፡ ጽኑዕ መሰረትን ኣዕኑድን ዘይብሉ ዲሞክራስን ቅዋምን ኣመልኪትና ክንዛረብ ከለና፡ ንኣገዳስነቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ምእታዉ ጌሮም ዝርድኡ።


እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን። እቲ ዝድለ ዘሎ ቅኑዕ መረዳእታ እንበኣር፡ ኣብዚ እቲ ቁጽሪ ሓደ ንድሕነትን ረብሓን (Security & Interest) ሓንቲ ሃገር ወይ ህዝቢ እታ ሃገር ኣዉሒሱ ከንብር ዝኽእል ጉዳይ እንተሎ፡ ጉዳይ ጽኑዕ መዋቕር ልኡላዉነት'ዩ።


ጽኑዕ መዋቕር ልኡላዉነት ድማ፡ ዘከራኽር ናይ መሬት ዶባዊ ግርጭት ይኹን ናይ ባሕሪ፡ ኣየር፡ ሃሊካ ኣይሃሊካን፡ ወይ ኣዉሒስካን ኣየዉሓስካን ኣይኮነን። እዚ ንቐጻሊ ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገርካ፡ ጎኑ ጎኑ ተሳልጦ ጉዳይ ዉን ክኸዉን ይኽእል'ዩ፡ በዚ ጅሆ ዘትሕዝ ምኽኒያት የብልካን።


እንበኣር፡ ጉዳይ ጽኑዕ መዋቕር ልኡላዉነት ሓንቲ ሃገር፡ ብቐንዱ ኣብ ጽኑዕን ዘተኣማምንን ፖለቲካዉን ቁጠባዉን ሓቀኛ ሓርነት'ዩ ዝምርኮስ። እዚኦም ብቐንዱ ደኣ እንበር፡ ካልኦት ዓይነታት ሓርነት፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ተፈጥራኣዊ፡ ቴክኖሎጂካዊ፡ ወዘተ የለዉን ማለት ኣይኮነን።


ጽኑዕን ዘተኣማምንን ሓራ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዘይእዝዞ፡ ዘይጸልዎ፡ ምስ ዝህልወካ ወይ ተቓሊስካ ምስ ትሃንጽ፡ ኣብኡ ተሞርኪስካ ፖለቲካዊ ስርዓትን (Political System)፡ ቁጠባዊ ስርዓት (Economy System)፡ ክትሃንጽ ትኽእል።


ኣብ'ቲ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ቅዋማዊ በሎ፡ ብሕብረ-ሰልፊ ይኹን እንኮ-ሰልፊ ዝመሓደር ህዝቢ፡ ዝኾነ ክኸዉን ይኽእል፡ በምንጽር እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ቀጻሊ ግዳማዊ ተጻብኦ፡ ናይ ዉሽጢ ብድሆታትን ኣብ ግምት ኣእቲዩ፡ ንዕኡ ዝጻወር ኮይኑ ክህነጽ ጥራይ ክኽእል ኣለዎ።


እዚ ድማ፡ ናይ ወለዶታት መስርሕ'ዩ፡ ከም ዜጋታት ኣብዚ ዘሎ ጉዳያት ብዕምቆትን ፍልጠትን ተረዲእና፡ ከም "መተካእታ" ዘይኮነ ከም "መመላእታ/መቀጸልታ" እቲ ዘሎ ቃልሲ ካብ ጽልዋታትን ተምበርካኽነትን እዘን ብዘበናዊ ባርነት ከመሓድራን፡ ክምዝምዛን ሒኽ ዝብላ ዘለዋ ኩለን ዓይነት ሓይልታት ምብራቕ ይኹና ምዕራብ፡ ሓራ ንምግባር ምስ ንሰርሕ'ዩ።


ብቐንዱ፡ ብረታዊ ቃልስናን ከቢድ መስዋእትናን "ንከይንምርከኽ'ዩ" ኔሩ።


ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ባህጊ ግን፡ ከንቱ'ዩ፡ ዲሞክራሲ ትኸል፡ ዉልቀ-መላኺ ኩን፡ ዉጽኢቱ ካብዛ ናይ ሪፓብሊክ ማሊ፡ ኣብ ዘበነ ምልካዊ ስርዓትን፡ ዘበነ ዲሞክራሲን፡ ቁንቁኛ ዕልዋ መንግስታት ዝረኣናዮ ምኽኒያታት፡ ካልእ ዘፍሊ የብሉን።


ዓወትንሓፋሽ...!

NationalEr Interest

185 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.