King Meron | ብዛዕባ ንጉስ መሮኒ፡ እንታይ ትፈልጡ..?

ኣብ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ንጉስ መሮኒ ይኹን ዓሌታት መሮኒ፡ ኣዚዩ ብዙሕ ዘይንጹርን ዘይስሩዕን ኣፋዊ ዛንታ፡ ገለ ዉን ስኑድ ጽሑፋት ኣሎ። ዓሌታት መሮኒ፡ ዳርጋ ንሰፊሕ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዝፈረየ ምኳኑ፡ ገለ ንታሪኽ ደቀባት ህዝቢ ኤርትራ ዘዘንቱ ተሓቲሞም ዝወጹ መጻሓፍቲ የብራሃልካ።


ሓደ ኣብዚ ምስ ናታትና እኩብ ኣፋዊ ዛንታታት ኣወሃሂድና ነቅርቦ፡ ከም መወከሲ ንወስዶ እንበኣር፡ ብመርጌታ ብርሃነ ተስፋማሪያም ዝተሓትመ መጽሓፍ "ታሪኽ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ" ዝብል ሕታሙ'ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ማዕረ እቲ ሃገሩ ናይ ምህናጽን ምብልጻግን ሓያል ዕዩ-ገዛ ዘለዎ፡ ገዛእ ታሪኹ፡ ነጻ ኮይኑ ብስነ-ፍልጠታዊ መልኽዕ ክምርምርን፡ ክፈልጥን ዉን ካልእ ከቢድ ዕዩ ኣለዎ።

ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ባዕድታት ጸኒሕካ ማለት፡ ገመድ ዕትብትኻ ተበቲኹ፡ ዝመጻካሉ ዘይትፈልጥ፡ ናብ ትኸዶ ዉን ከም እንስሳ ዘይተፈልጥ፡ መንነት ኣልቦ ኬንካ፡ መጻወቲ ብሎቅመጽመጽ ዝመሓደሩ ባርባራዉያን ካልኦት ሕብረትሰባት ኬንካ ኢኻ ትነብር።


ኣብ ኤርትራ፡ በዓል ክቡር ረዚን በዓል ሕብረትሰብና ዝኣከቦን፡ ዕትብቲ ሓረግ መፈጠርና ከይብተኽ ንኣሻሓት ዓመታት መስዋእቲ ከፊሉ ዝዓቀቦን፡ ገለ ኣሰራትን ሓድግታትን ሓቀኛ ታሪኽና ኣሎ።

ኣብዚ ታሪኽ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ዝብል መጽሓፍ ከምዘነጽሮ ድማ፡ መትኒ ትዉልድና፡ ካብዛ ዘለናያ ክሳብ "98" ክብጻሕ ከም ዝክእል የነጽር። ካብዛ ዘለናያ ማለት፡ ከም ማሕበራዊ ክብርታትናን ስርዓትናን ዝእዝዘና መሰረት፡ ሓደ ዜጋ ክሳብ "7" ሓረግ ወለድኡ ክፈልጥ ይግደድ'ዩ።


እዚ ኣብ ካልኦት ህዝብታት ዓለም ኣሎ ድዩ የለን እንድዒ፡ እንተኮነ ንሕና ከም ሕብረትሰብ፡ ኣብ'ቲ "ወዲ ሰብ" ካበይን ብኸመይን ተፈጢሩ ዝብል ስነ-ጥንታዊ ምርምር፡ ዝለዓለ ኣበርክቶ ክህልወና ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት እኳ ኣለና።


ስለዝኮነ'ስ፡ ብጽንጹዋያዊ ፍብራኻታት ድራማ ጎረባብቲ ኣህዛብ ይኹን፡ ሽርሒ ካልኦት ዓበይቲ ሃገራት፡ ተበቲና ክንጠፍእ ኣጸጋሚ ኮይኑ። እቲ ታሪኽና ይኹን ዞባና ድማ፡ ካብቲ ክዉንነት ኣንደልሂጹ ስለዘሎ፡ ዳግማይ ክጸሓፍ ክግበር'ዩ።


ናብ ዛዕባና ንመለስ፡

ዓሌታት ንጉስ መሮኒ፡ ዳርጋ ምስ ኩለን ቢሄራት ኤርትራ ተተሓሒዙ ይርከብ። ብጠቅላላ ናይ 1200ዓመታት ሓፈሻዊ ታሪኽ (ካብ 800A.D.)፡ ኣቢልና ንዛረብ ከም ዘለና ክንግንዘብ ይግባእ።



ንንጉስ መሮኒ መቦቆል ኮይኑ ዝፈረየ ህዝቢ፡ ካብ ነገደ ቀረ-ሳዉሮ (ምስ ዓሳዉርታ ዝተሓሓዝ'ዩ) ዝበሃል ምኳኑ ይንገር'ዩ። መጀመርያ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ (ኣዱሊስን ከባቢኣን) ብ500 ዓ.ም.ፈ. (5ይ-ክ/ዘ) ኣቢሉ ይኸዉን ንቀላይ ጣና ዝተባህለ ከባቢ ናይ ሕጂ ሃገር ኢትዮጵያ ከይዱ ይበሃል።


እቶም ኣብ'ቲ እዋን ኣብ ዝፋን ስልጣኔ ኣዱሊስን ከባቢኣን ዝነበሩ ዓሌት ኣህዛብ ድማ፡ ዓሌታት ኩሸቲክ ምኳኖም ብዙሕ መረጋገጺ ነጥብታት ኣሎ።


ብመሰረት ኣብ ሃገርና ብክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ፡ ከም ስርዓተ-መምሃሪ (Curriculum) ዝተዳለወ ጽሑፍ፡ ንኣቃዉማ ትሻዓተ (9) ብሄራት ኤርትራ ብኸምዚ ዝስዕብ ዝርዝር ኣቋምዎ'ስ፡ ተማሂርናሉ ዓቢና ድማ።


1. ናራን ኩናማን፡ ከም ቀዳሞት ደቀባት ኤርትራ ኮይኖም፡ ካብ ዓሌታት "ኒላዉያን" (Nilotic) ድማ ኢዮም፡

2. ሳሆ፡ ዓፋር፡ ሕዳርብ፡ ብሌን፡ ካብ ዓሌታት "ኩሻዉያን" (Kushetic)፡ (Afroasiatic Society) ይምደቡ፡

3. ትግሪኛ፡ ትግረ፡ ከምኡ ዉን ራሻይዳ ድማ፡ ምስ ዓሌታት ሴማዉያን (Sematic)፡ ተመዲቦም ንረኽቦም።


በዚ መሰረት፡ ዓሌታት ንጉስ መሮኒ ንዝበዝሐ ክፋል ብሄር ትግሪኛ፡ ገለ ክፋል ትግረ ፈሪዩ ተባሂሉ ዝዝረብ እንተኮይኑ፡ ብኸመይ መንገዲ ኢዪ ምስ "ሴማዉያን" ዝምደብ ዝብል ኣካራኻሪ ዛዕባታት ክመጽእ ግድን'ዩ።

ገለ ናይ ሰብ ኣፈ-ታሪኽ ዛንታ ዉን፡ "ኖ'፡ ዋላ ኣብ ገማግም ቀይሕ-ባሕሪ ንዘበናት ይጽንሑ፡ ትኽ ኢሎም ካብ ንግስነት ሂሚርያ (ናይ ሎሚ ዘበናዊት የመን) ሳጊሞም ዝመጽኡ ኢዮም ይብሉ። ከምዚ እንተኮይኖም፡ ንጉስ መሮኒ ካብ ዓሌታት ሴማዉያን ይኸዉን ኣሎ ማለት'ዩ።


ነገስታት ኩሽ ካብ ቅድሚ 5000 ዓመታት ቅ.ል.ክ. (B.C.)፡ ክሳብ 500 ዓ.ም.ፈ. ድ. ል.ክ (A.D.) ኣቢሎም፡ ካብ ሃገር ኡጋንዳ ጀሚሮም ክሳብ ግብጺ የማሓድሩ ዝነበሩ ነገስታት ምኳኖም ዝተፈላለየ መዛግብቲ ታሪኽ ኣስፊርዎ ኣሎ።


ቅድሚ ወራር ባርባራውያን ሮማውያንን ኣዕራብን፣ ብሰላምን ብፍትሕን ብርትዕዊ ሃይማኖትን ዘማሓድሩ ዝነበሩ ነገስታት ደቂ ኩሽን እዮም ነይሮም።


ብዝኾነ፡ እዞም መቦቆል ዓሌታት መሮኒ ዝኾኑ ኩሻዉያን ይኹኑ ሴማዉያን፡ ኣብ ጥንታዉያን ወደባት ኣዱሊስ፡ ዙላ፡ ዓበይቲ ከተማታት ሃኒጾም፡ ኣብዚ ብሲልክ-ሮድ (Silk Road) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ናይ ኣሻሓት ኪሎሜተራት ዝዝርጋሕ መርበብ ንግዲ ኤሽያ-ኤዉረጳ፡ መልጎም መራኸቢ ዝነበሩ ምኳኖም፡ እቲ ሎሚ ኣብ ኣዱሊስ ዝግበር ዘሎ ኩዕታ የነጽሮ።


ዓሌታት መሮኒ፡ ከመይ ኣቢሎም ኢዮም ካብ ገማግም ቀይሕ-ባሕሪ ናብ ማእከል ኢትዮጲያ ቀላይ ጣና፡ ካብኡ ድማ ደጊሞም ናብ ርስቶም ባሕሪ-ነጋሽ ተመሊሶም ክንምልከት ምስ ንፍትን።


5ይ ክ/ዘ (Ref. #01) ብዚያዳ ስደትን ፖለቲካዊ ዘይርጉኡነትን ኢዩ ዝፍለጥ ዝነበረ።

ብፍላይ፡ ምስ ዉዳቕ ምዕራባዊ ግዝኣት ንግስነት ሮማ (476AD) ተታሓሒዙ፡ ህዝቢ ዓለም ብሰፊሑ፡ እቶም ምስ ንግስነት ሮማ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ዝነበሮም ህዝብታት ዞባና ድማ ብፍላይ፡ በዚ ክስተት ክጽለዉ ትጽበዮ ነገር'ዮ።

በዚ ምኽኒያታት ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ዳርጋ ብጭቡጥ መንገዲ ንንጉስ መሮኒ ዝፈረዩ ህዝቢ፡ ካብ ኣዱሊስን ከባቢኣን ናብዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ፡ ቀላይ ጣና ሳጊሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።


ንኣስታት 300 ዓመታት ድማ ንመላእ ሰሜን ኢትዮጵያ ይመርሑ ነበሩ፣ ብ850 ዓ.ም.ፈ. ግና በታ ጨካን ንግስቲ ጉዲቱ እትብሃል ካብ ዓሌት ፈላሻ ንግስቲ፣ ንንግስነት ንጉስ መሮኒ ዝነገሰሉ እዋን፡ ስለዝሰዓረቶ፣ ደቁን ጥሪቱን ሒዙ ንኤርትራ ተመልሰ። ገለ መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝብልዎ ግን፡ እቲ ንግስቲ ጉዲቱ ናብ ንግስነት ዝመጻትሉ ዓ/ም፡ ብ960A.D. ምንባሩ ይዝረብ።


ንግስቲ ጉዲቱ፡ ካብቶ'ም ብኣጋ ካብ የመን ንግስነት ሂሚርያ ዝሳገሙ ዓሌታት እሞ፡ ብወራር ክርስቲያናዊት ኣክሱም (6ይ ክፍለዘበን፡ ሃጼ ካሌብ ዝምራሕ ሓይሊ) ኣብታ ንግስነት ብቲ ክሳዱ ዝተቆርጸ ንጉስ ዮሱፍ ዝምርሑ፡ ቀርሒኖም ዝነበሩ ዓሌታት ኣይሁድ (ፍላሻ) ክትከዉን ከም ትኽእል ይዝንቶ። ንንግስነታ ንምድልዳል ድማ፡ ንፐሪሽያ/ፋርስ ከይዳ ከም ዝተመርዓወት ይዝረብ።


ኣብ ከባቢ 960A.D.፡ ናይ መጠረሽታ ንጉስ ኣክሱም ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ "ድል-ናኦድ" ምኳኑ ይንገር'ዩ። ኣብ ኢትዮጲያ ኩሉ ዝተጓማጸጸ ታሪኽ'ዩ ዘሎ። እዚ'ዩ እቲ ቅኑዕ ክበሃል ዘይክእል። ንግስቲ፡ ጉዲቱ ፈቀዶ ቤ/ክርስቲያናትን ኣቢያተ ጸሎት፡ ገዳማት ብምቅጻል ዝተፈልጠት ነበረት።

ብድሕሪኣ፡ ኣብ ላስታ-ላሊበላ ንግስነት ዛግዌ (960-1200A.D.)፡ ኣቂሙ ዝመጸ ብሃጸይ "መራ ተኽለሃማኖት" ዝፍለጥ'ዩ። ኣብዚ እዋን፡ ሓዉሲ ነጻ ምድረ-ባሕሪ (ባሕሪ ነጋሽ) ሏብ ዘበናዊት ኤርትራ፡ ዝቆመሉ ዓ/ም ምኳኑ ዉን ይፍለጥ።


ንጉስ መሮኒ፡ ወዲ ቀዳማይ ሚናብ ምኳኑ ተባሂሉ ይጽዋዕ'ዩ። ካብ ንጉስ መሮኒ ክሳብ ኣብ ኣዱሊስን ከባቢኣን ዝነበሩ ዓሌታት ድማ፡ ናይ 300 ዓመታት (8 ወለዶ ኣቢሉ ይርከብ)። እቲ ኣብ ኢትዮጲያ ብ"ደንቢያ" ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ብስም ሓደ ካብ ኣቦሓጎታቱ "ደንባይ" ዝተባህለ ዝጽዋዕ ምኳኑ ይንገር።


ንጉስ መሮኒ ኣብ ዘበኑ በዛ ጨካን ንግስቲ ጉዲቱ ተሳዒሩ፡ ናብ ገማግም ባሕሪ ክምለስ ኢሉ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ቦታ ድሮ ብካልኦት ዓሌታት ተጣይሱ ስለዝጸንሖ፡ ክምለስ ኣይከኣለን፡ ኣብ ክንድኡ ናብ "ገሽናሽም" ዝተባህለት ዓዲ፡ ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይ 26ኪ/ሜ፡ ኣተወ። ኣብኡ ድማ 3 ዉሉዳት ወሊደ።

ንሳቶም ድማ፣

1. ፋሉቚ፣ ኣብ መብዛሕትኦም ሓማሴን፡ ገለ ዓድታት ጉዛይ (ካብ ኣከለ-ጉዛይ) ገለ ቀሸታት መንሳዕ፡ ሳሕል ቤ/ት ኣስገደ፡ ወዘተ ፈረየ፡

2. ማሉቚ፣ ንመብዛሕትኦም ኣከለ-ጉዛይ ዝፈረየ፡ ገለ ቁሸታት ሰራየ፡ ኣብ ገለ ክፋል ሓማሴን ዉን ዝርከቡ ዓድታት፡ ከምኡ ዉን ብቀንዶም ንጽንዓ ደግለልን ንስመጃናን ይዝርግሑ፡

3. ጫሉቚ ድማ፣ ንገለ ክፋል ሰራየ፡ ንመረታን ንሰበነን ፈረየ። ኣብ ገሽናሽም ዝተረፉ ድማ ደቂ ጫሉቚ ኣለዉ።


ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ንዝርዝራቱ ዝምልከት ኣብ ቀጻሊ ከነቅርቦ ክንፍትን ኢና፡ ሓደ ነገር ክንግንዘቦ ዘለና ግን፡ ዝኾነ ወለዶ ከም ሓረግ እንዳተጠናነገ ደኣ ይመጽእ እንበር፡ ጥሙራት ዓድታት ይኩና ከባቢታት፡ ብፍሉይ ካብዚ ዓሌት ኢና መጺና ክብላ ኣይክእላን ኢየን።


ብዙሕ ምትሕዉዋስ ኔሩን፡ ጌና ዉን ይቅጽል ኣሎ። እዚ ማለት ግን፡ ሓረግ ዕትብቲ ትዉልድኻ ኣጥፍእ ማለት ኣይኮነን፡ ዝኮነ ዜጋ ካበይ ቦቂሉ፡ ብሓበንን ኩርዓትን ከጽንዖ፡ ሓደ ካብቲ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ማሕበራዊ ዉርሻና ዘሰክመና ሓላፍነት እንበር፡ ሓዲሽ ጣቋ ኣይኮነን። "ሰብ ሰብ'ዩ" ብልኽዕ፡ ተኾነ እዛ ዓለም ወዲ ሰብ ካበይ መጺኡ ክትመራመር፡ ድቃስ ዘይብላ ትሓድር ከምዘላ ዘይምርሳዕ።


ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዚ ላዕሊ ሓደ "ሲልክ-ሮድ" (Silk Road)፡ ዝብል ነጥቢ ኣልዒልናልኩም ጸኒሕና። እዚ ጥንታዊ መርበብ ንግዲ ኣህጉራት ኤሽያ፡ ኤዉረጳ ከምኡ ዉን ኣፍሪቃ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ንስልጣኔ ኣዱሊስ ይኹን፡ ብዓቢኡ ከኣ ርሑቅ ምብራቕ ኤሽያ-ቻይና፡ መሰረት ዝነበረ በሪ'ዩ። ቻይና ኣብ'ቲ እዋን፡ ዝበልጸገት ዝሓየለት እንተኔራ እሞ፡ ሕጂ ነዚ ክትመልሶ ትሓስብ እንተላ፡ እዚ ታሪኽ'ዩ መሰረታም

ስለዝኮነ ከኣ ግቡእ ኣህጉራዊ ቦትኣ ንምምላስ፡ ኣብዚ ዝተጠቅሰ ታሪኽ ተሞርኪሳ፡ ነዚ "ተበግሶ ቅናትን ጽርጊያን" (Belt and Road Initiative) ዝብል፡ ኣብ 2013 ተበጊሱ፡ ን2049 ክዉዳእ መደብ ዝወጸሉ ንልዕሊ 30 ሃገራት ዝትንክፍ ናይ ቢሎናት ዶላር ፕሮጀክት ሓንጺጻ ትንቀሳቀስ ዘላ።


ኣገዳስነት ታሪኽ ምዉካስ፡ እዚ'ዩ እቲ ምስጢር፡ ንእግረ መንገድና...!!!

ኣብ ቀጻሊ፡ ምስ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ ነቅርበልኩም፡ ሰሰ-ናዪ፡ NationalEr Interest

42 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.