Ethiopia፡ The House of Representative & Amhara Regional Government Call for FDRE Action Against TPLF

Hard Time for Civilians in Ethiopia, Massacre in Wolega, Western Oromia Regions, Resting in Eternal Peace. Call for Ending the TPLF Sponsoring Ethnic based Civilian Attacks. 54 Innocent Butchered, Hundreds Wounded.


Now everyone is calling to FDRE to take immediate military action against the illegal Authority in Tigray, including the House of Representatives and Amhara Regional Administrations.

ኣብ ኢትዮጲያ፡ ምዕራባዊ ሸነኽ ኦሮሚያ፡ ቤንሻንጉል ጉመዝ ዎሎጋ፡ ብህዉሓት ዝምወሉ "OLA-Shenie" ዕጡቃት ሓይልታት፡ ብሄር መሰረት ብምግባር "ህዝቢ ኣኪቦም" ዝፈጸምዎ ህልቂት፡ ኣስካሕካሒ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። 54 ዕሸላትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ክሃልቁ ከለዉ፡ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ድማ ቆሲሎም።


ህዝቢ ኢትዮጲያ "ይኣክል" ይብል ኣሎ። ፈደራል መንግስቲ ኣብ ርእሲ እቶም ምንጪ ብሄራዊ መጥቃዕቲን ጎንጽታትን ዝኮኑ፡ ኣብ መቀለ ተዓቂሞም ዘለዉ ጉጅለ ህዉሓት፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ይጽዉዕ ኣሎ።


ሎሚ፡ 03 ሕዳር ዉን ቤ/ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጲያ ተኣኪቡ፡ ከምዚ ኢልካ ሃገር ምምሕዳርን፡ ሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ምሕላዉ ስለዘይከኣል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝመርሖ መንግስቲ፡ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ ኣሎ።


ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዉን ነቲ ተግባር ድሕሪ ምኩናን፡ "ህዉሓት ብሄራዊ ግርጭታት ብምዉዳብ፡ ፖለቲካ ዝስራሕን መኽሰብ ረኺብካ ናብ ስልጣን ምምላስን ኢዩ ዝመስላ ዘሎ" ድሕሪ ምባሉ፡ መንግስቱ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ።


ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ዶ/ር ኣቢየ ኣሕመድ፡ "ጸላእቲ ህዝቢ ኢትዮጲያ፡ ወይ ብሓይሊ ከመሓድርዎ፡ ወይ ድማ እዛ ሃገር ገደል ትእቶ፡ ይብሉ ኣለዉ!" ክብል ገሊጹ።


እዚ ህልቂት ዝፍጸም ዘሎ፡ ብድሮ እቲ "ህዉሓት ንህዝቢ ትግራይ ንኪናት ክዳሎን ክዓጥቅን" ምጽዋዓ ኢዩ።


NationalEr Interest

137 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.