Ethiopia's Delegation Arrived in Asmara፡ ቀ/ሚኒስተር ኢትዮጲያ ኣቢየ ኣሕመድ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ኣስመራ ኣቲዩ፡

Read English Version Below, Reported by the State Minister of Information,

ቀ/ሚኒስተር ኣቢየ ኣሕመድ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅ/ቀ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣቲዩ። ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍዎርቂ ዝርከቦም ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን ድማ ኣብ'ቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ወግዓዊ ኣቀባብሉ ጌረሙሉ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ንምሕያል ዝምድና ክልቲኤን ሃገራትን፡ ኣንፈቱን፡ ከምኡ ምስራዕ ዞባዊ ዉህደት፡ ኣመልኪቶም ክዘራረቡ ኢዮም። ቀ/ሚኒስተር ኣብ መገሽኡ፡ ብስተይት ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን፡ ከምኡ ዉን ኣፈኛ ጉባኤ ፓርላማ ኣቶ ታገስ ጫፎ፡ ተሰኒዩ ኢዩ መጺኡ።


ንቀጻሊ ምዕባሌታት፡ ኣለና በሓንሳብ፡ ምሳና ጽንሑ...!

Ethiopia's Prime Minister, Dr. Abiy AHMED Ali, arrived in Asmara, Eritrea, in mid morning hours today for a working visit to the country. President Isaias Afwerki accorded warm welcome to the Prime Minister and his delegation on arrival at Asmara International Airport.

The two leaders will discuss further consolidation of the warm bilateral ties between the two countries as well as enhancement of regional cooperation. The Prime Minister is accompanied by State Minister Ambassador Redwan Hussein and Speaker of Parliament Mr. Tagesse Chaffo.


NationalEr Interest

This July, Before Two Years, Eritrea and Ethiopia Re-established Diplomacy after 20 Years of Boarder Stalemate which is Resulted a Peace-War Situation.

ዕለት 08 ወርሒ ሓምለ 2018፡ ዳርጋ ልክዕ ቅድሚ 2 ዓመት ኣቢሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ዶ/ር ኣቢየ ኣሕመድ፡ ኣብ ዉሽጢ 20ዓመታት ፋልማይ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ፡ ኢትዮጲያዊ በዓል ስልጣን ኔሩ።

ኣብ'ቲ እዋን፡

ብቀጥታ ኣገልግሎት ርክባት ተሌፎንን በረራን ከምዝጅምር ተጌሩ፡

Two years ago today July 18th 2018

Tears of joy as families reunite @ Asmara International Airport. People wept of happiness after Ethiopian Airlines landed in Eritrea's capital Asmara for the first time since the 1998-2000 border war.

ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዜጋታት ክልቲኡ ሃገር፡ ብስንኪ ስርዓት ወያነ ፋሕ-ፋሕ ዝኣተወን ስድራቤታት፡ ብስልክን ስዒበን ድማ ብኣካልን ክራኸባ ክኢለን፡

ክልቲኤን ሃገራት፡ ብዝጸንሐ ወጥሪ ደበና ኪናት፡ ኣህዲኤን፡ ኣዋጅ ሰላም ኣስመራን ጂዳን ከቲመን፡


ኣብ ክታመን፡ ዉዕል ኣልጀርስ ብይን ኮምሽን ዶድ፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብምኳኑ፡ ንክትግበር ደጊመን ኣረጋጊጸን፡

ንኣስታት 3ወርሒ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ብምኽፋት፡ ህዝቢ ብፍኑዉ ሓጎሲ ገሊጹ፡ ብኡ መጠን ዉን ጸቕጢ መነባብሮ ጎዲሉ ኔሩ'ዩ፡


ኣብዚ ዞባ ናይ ሓባር ጸላኢ ንዝበልዎም ከደምቲ ሃገራት ዓለም ዝኾኑ ጉጅለታት ኣብ ምህዳን ድማ ተዋፊረን፡ ኣዚዩ ብዙሕ ብዙሕ ስራሕ ከኣ ኣሰላሲለን፡


ከም ጃንዳ ማለሊት ዝኣመሰለ፡ ዝነበሮ ቦታን ህልዊ ደረጅኡን፡ ምርኣይ ይከኣል፡ ን"ሕቃቕ-ሳምና" ኪናት ዉን ኣየድሊያን'ዩ፡ ብፍቱን መድሃኒት ምቅጻል፡


ንሶማሊያ ወሲኸን፡ እቲ ስምምዕ ሰላምን ዞባዊ ዉህደትን ዝብል ኣምር፡ ብሱሉሳዊ ክታም ኣደሪዐንኦ፡

ኣብ ርእሲ ኤርትራ፡ ብከደምቲ ሓያላት ሃገራን ኣብዚ ዞባ ተፈብሪኹ፡ ብባርኾት ኣሜሪካን መሻርኽታን ተስገዲዱ ዝነበረ ክልተ ዘይሕጋዊ እገዳ/ዓሎቕ፡ ከም ዝለዓል ተጌሩ፡


ኣብ ኣፋፌት ምስግዳድ ዝነበረ፡ ሳልሳይን ሓደገኛን እገዳ ዉን፡ ዉዱቕ ኮይኑ፡

ክልቲኤን ሃገራት፡ ድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ኣልበሽር ኣብ ሱዳን፡ ርጉእን ዘገምታዉን ሰላማዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ክረጋገጽ ዓቢ ተራ ተጻዊተን፡


ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ልዝብ መንግስቲ እታ ሃገርን (SPLM)፡ ተቃወምቱን (SPLM-iO)፡ ከም ዝቀላጠፍን፡ ኣብ ደምዳሚ መድረኽ ከም ዝበጽሕ ዝግባእ ተረአን ተጻዊተን፡


ክልቲኤን ሃገራት ሓቢረን፡ ዚያዳ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ (GCC) ዘለወን ቦታን ጽልዋን (Reactive Deplomacy) ደሪዐን፡


ኤርትራ፡ ሶማሊያ፡ ኢትዮጲያ፡ ሓቢረን ኣብ ዞባዊ ርግኣት ብዙሕ ስራሕ ዓሚመን፡


ኤርትራ ኣብ ርግኣት ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ዘለዋ ተራ ተጠቂማ፡ ኣብ ጉዳይ ተፋሰስ ኒል ዉን ኣዎታዊ ተርኣ ከም ትጻወት ዘጠራጥር ኣይኮነን፡


እቲ ዝተዓመ ስራሕ፡ ምስ ክስተት ዓለምለኻዊ ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ዉን ወሲኽካ፡ ኣዚዩ ብዙሕ ስራሕ'ዩ።


NationalEr Interest

208 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.