Ethiopia: Political Development, ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ኢትዮጲያ:

"ኪናት እንታይ ማለት ምኳኑ ነቶም ብዛዕባ ኪናት እንዶ ዘይብሎም ተኾነ ናይ ከተማ ወፍሪ ኪናት ከርኢዩና ዝሓሰቡ፡ ከነርኢዮም ኢና"....ካብ መደረ ቀ/ሚ/ኢትዮጲያ።


ASRAT TV, DW, and Tigrai Television Accused of Mutiny for Civil Unrest and Warned.

ASRAT TV, DW and OMN Closed their Respective Office in Addis Abeba.


ኣስራት ተለቪዥን፡ ድምጺ ወያነ፡ ትግራይ ተለቪዥን፡ ብህዝባዊ ምልዕዓልን ዓመጽን ተኸሲሰን መጠንቀቕታ ወረቐት ክዋሃበን ከሎ፡

ኣስራት ተለቪዥን፡ ድምጺ ወያነ ከምኡ ዉን ኦ.ኤም.ን (OMN) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ቤ/ጽሕፈተን ክዕጾ ተጌሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ዶ/ር ኣቢየ ኣሕመድ፡ ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ፡ ንህቡብ ድምጻዉን ነጣፍን ተወላዲ ኦሮሞ ዝኮነ ሃጫሉ ሁንዴሳ ግዳይ መቕተልቲ ጌርካ፡ ዝተዛብዐ ፕሮፖጋንዳ ካብን ናብን ኣዋቒዕካ፡ ንህዝብታት ኢትዮጲያ ናብ ኪናት ሓድ-ሕድ (Civil War) ንምእታዉን መንግስቲ ንምቕያርን ዝተሃንደሰ ድራማ ከም ዝፈሸለ፡ ኣፍሊጡ።


"ኪናት እንታይ ማለት ምኳኑ ነቶም ብዛዕባ ኪናት እንዶ ዘይብሎም ተኾነ ናይ ከተማ ወፍሪ ኪናት ከርኢዩና ዝሓሰቡ፡ ከነርኢዮም ኢና"....ክብል መዲሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ድራማ መን ከም ዘንቀሎ ነቲ ባዕላቶም ኣብ ኦሮሞ ሜድያ ኔትዎርክ (OMN) ቀሪቦም "እቲ ኪናት ኣብ ሰነ፡ ኣዲስ ኣበባ ጀሚርና፡ ኣብኡ ክንዉድኦ ኢና..!" ዝበልዎ ብምዝኽካር፡ መን ከም ዝሃንደሶ ዝተፈልጠ ይኹን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈንጀረ 3 ቦምባታት፡ መን ኣብ ርእሲ እኩብ ህዝቢ ከም ዝተኮሶም ዘይፍለጥ ቅትለትን፡ ብርክት ዝበሉ ተተኮስቲ ኣጽዋር ሒዞም ኣብ'ቲ ተኸታተልቲ ገበናት ተሳቲፎም ዝተባህሉ ዝተታሕዙ ዉልቀሰባት ዉን ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።


በዚ መሰረት፡ ንኣባላት ፈደራሊስት ኮንግረስ፡ ጃዋር ማሕሙድን በቀለ ገርባ ከምኡ ዉን እስክንድር ነጋ ኣቀዲሞም ዝተኣስሩ ስዒቡ፡ ልደቱ ኣያለዉን ናይ ብሄራዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራ (NAMA) ኣቦ/ወምበር ኢንጂነር ይልቃል ጌትነትን ዉን ተኣሲሮም ኣለዉ። ድሮ እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ኣብ ቤ/ፍርዲ እታ ሃገር ፋይል ተኸፊትሎም ኣሎ።


ኣብ'ቲ ህዝባዊ ዓመጽ ዝተሳተፉ ክሳብ ትማል ጥራይ ኣስታት 35 መንእሰያት ዉን ተኣሲሮም፡ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ናብ ንቡር ኩነታት ይምለሳ ኣለዋ።


እዚ ኩሉ ድራማ ዕግርግርን መቕተልትን፡ መን ከም ዝሃንደሶ ሕቶን መልስን ዘድሊዮ ክሳብ ዘይኮነ፡ ማለት ንሃጫሉ ሁንዴሳ ቀንጺልካስ፡ ያኢ...ህዝቢ ኦሮሞ ግልብጥ ኢሉ ኣብ ርእሲ ሓደ ስርዓት እኳ ከይከዉን...ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኣምሓራ ክለዓልን፡ ደዉ ዘይብል ደም ክፈስስን'ዩ ተሓሲቡ።


ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ንኩሎም ብሽም "ብሄር ምርኩስ ዝገበረ ፈደራላዊ ስርዓት"ንስልጣኖም ክብሉ ድዮም ኣጀንዳ ጃንዳ ከሳስዩ ተበሪሂዎም፡ ብቀሊሉ ህዝቢ ኣብ ዓመጽ ንምእታዉ ዝሽቕጡ ሓይልታት ብቀሊሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዎም ምኽኣሉ፡ ዚያዳ ኣብ ጸጥታን ወተሃደራዊ ስርሒትን ሓዪሉ ከም ዘሎ'ዩ ዘመላኽት።


መግለጺ ቀ/ሚ/ኢትዮጲያ ከም ዘእንፍቶ፡ ኣብ ርእሲ እዞም ተሪፎም ዘለዉ መራሕቲ ጃንዳ ማለሊት፡ ዘይተርፍ ስጉምቲ ከይተወስደ ኣይክተርፍን'ዩ።


እቲ መዓልትን ሰዓትን ተቆሪጹ ተወዲኡ ኣሎ።

NationalEr Interest

268 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.