Eritrea's Higher Military Delegation lead by the Chief of Staff Gen. Philip met the Lt.Gen. Othman

ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ምስ መዘናኡ ሓለቓ ስታፍ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣልሓሰን፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ተራኺቡ፡ ኣብ ሓባራዊ ጉድያት ተዛትዩ።

Eritrea's Higher Military Delegation lead by the Chief of Staff General Philip met the Sudanese Official in this day.

Read English & Arab Version Below, Published by #SUNA News Agency፡


ኣብ ሱዳን፡ ናይ ስራሕ ዑደት ዝገብር ዘሎ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ከምኡ'ውን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዘጠቓለለ እዩ።


Eritrea's Higher Military Delegation lead by the Chief of Staff General Philipos met the Sudanese Military Official in this day.


‏رئيس هيئة الأركان الفريق اول ركن محمد عثمان الحسين يلتقي رئيس هيئة الاركان الاريتري الفريق فليوس يوهانس


The Chairman of the Joint Chief of Staff, Lieutenant General Muhammad Othman Al-Hussein, met in his office today. General Philippos Weldeyohans the Chief of Staff of the Eritrean Defense Forces who arrived in the country yesterday is accompanied by the Director of National Security, Brigadier Gen. Abraha Kass and Major General Mohamed Karikare, Commander of the Navy.

Update፡

ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮዉሃንስ፡ ሜ/ጀነራል ሑመድ ካሪካረ፡ ብ/ጀነራል ኣብራሃ ካሳ፡ ዝመርሕዎ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ሱዳን ንንዉሕ ዝበለ መዓልታት ክጸንሑ ምኳኖም ተፈሊጡ።


ዕላማ መገሽኦም፡ ኣብ ቀይሕ-ባሕርን ቀርኒ-ኣፍሪቃን፡ ዞባዊ ጸጥታ ንምስፋን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ተፈሊጡ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ ወደባዊት ፖርት-ሱዳንን ብኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ዝምራሕ መደበር (Station) ሓይሊ ባሕሪ ምድኳን፡ ከምኡ ዉን ምስ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዘዳዉብ ከባቢ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ከሰላ፡ ካልእ ወተሃደራዊ እዚ ንምቋም ዝዓለመ ምኳኑ ይዝረብ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ብኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማሊያ ከምኡ ዉን ኢትዮጲያ ዝቆመ፡ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ሓይሊ ምድሪ፡ ባሕሪ፡ ከምኡ ዉን ኣየር ናይ ምቋም ተበግሶታት ከምዘሎ ዉን ይዝረብ'ዩ። ኣብዚ ጉዳይ፡ ጃንዳ ንእሽተይ ዛዕባ'ያ፡ እቲ ዕላማ ንዓበይቲ ዞባዉያን ሸቶታት ዝዓለመ'ዩ።



ጠቅላሊ ሓለቃ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጲስ ወለደዮዉሃንስ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሜ/ጀበራል ሑመድ ካሪካረ፡ ከምኡ ዉን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብራሃ ካሳ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዉ፡ ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፡ ሌ/ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣልሑሴንን፡ ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ሌ/ጀነራል ጀማል ኣል-ዲን ዓብዱል መጂድ ብምርኻብ ከም ዝተዘራረበ እቲ ጸብጻብ ይጠቅሱ።


ሓፈሻዊ ትንተና ይኩን (Update) ኣብዚ ጉዳይ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት፡

NationalEr Interest

368 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.