Eritrea፡ ኤልሃም መሓመድ፡ በዓልቲ ድርብ ሞያ፡ ስነ-ጥበባዊት ከምኡ ዉን ናይ ሕጊ በዓል ሞያ!

ኣብ ዘበናዊ ሙዚቃ ሃገርና፡ ፍልይ ዝበለ ብቅዓት ሒዛ መጺኣ ዘላ ኤልሃም መሓመድ፡ ብ17 ጥቅምቲ 2020 ዉን፡ ካብ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተዶኪኑ ዝርከብ ቤ/ትምህርቲ ሕጊ፡ ጨንፈር ኮሌጅ ዋኒንን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን (College Business and Social Science - CBSS) ዓዲ-ቐይሕ፡ ብዓዉዲ ሕጊ ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ማዕርግ (LL.B Law) ክትምረቕ ክኢላ።

"ለከ እን'ዶ ግዳ እዛ ሙዚቃስ፡ ትምህርቲ ወሲካትላ!"


ኤልሃም መሓመድ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝርከብ ኮማዊ ኣቢያተ ቤ/ፍርዲ ተመዲባ ምስ ብጾታ ንህዝባ ተገልግል ኣላ።


ከም መጠን ኣብ ስነ-ጥበብን ሕግን ሞያ ትነጥፍ ድማ፡ ተስፋ ንገብር፡ ንስነ-ጥበብን ዲጂታላዊ ትሕዝቶታትን ሃገርና ዘጋጥሞ ዘሎ ናይ መሰል ቅዳሕ ይኩን ዋንነት (Intellectual Property and Copyrights Matter) ዓበይቲ ጸገማት፡ ብሕጋዊ መልክዑ (Legal Protocols) ኣብ ምፍታሕ፡ ምስ ከምኣ ዝኣመሰሉ ሰብ-ሞያ ሓቢራ፡ ንሕብረተሰብና ዓቕማ ዘፍቅዶ ክተበርክት።


Congratulations to an Artist and Law Professional Mrs. Elham Mohammed,


NationalEr Interest

55 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.