Eritrea፡ ትግሪኛ - Health Infrastructure፡ ትሕተ ቅርጺ ጥዕና፡ መንግስቲ እንዳ "መከተ"፡ ሃኒጹ'ዶ "ኣይሃነጸን"?

ድሕሪ ናጽነት ጥራይ ካብ ዝተሰርሑ ዕዉታት ፕሮጀክትታት ኢዮም። 6-ዓበይቲ ሆስፒታላት ሃገርና፡


1. ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ዓሰብ፡ (ደ/ቀ/ባሕሪ)፡

2. ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ፡ (ጋሽ-ባርካ)፡

3. ዞባዊ ሆስፒታል ደቀምሓረ፡ (ደቡብ)፡

4. ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ጊንዳዕ፡ (ሰ/ቀ/ባሕሪ)፡

5. ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ፡ (ደቡብ)፡

6. ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ (ኣስመራ-ማእከል)፡

ሓደ ካብዚኦም ዝኾነ፡ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘድሊ ዕጥቂ፡ ብፍላይ ንክፍሊ መጥባሕቲ፡ ሕክምና ስኒ፡ ላብላቶሪ፡ ሳይኮቴራፒ፡ ጨረርታ/ራዲዮሎጂ፡ ናይ ዓይኒ ሕክምና፡ ከምኡ ዉን በብዓመቱ ኣብ ኦሮታ ቤ/ትምህርቲ ሕክምናን፡ ኮሌጅ ጥዕና ኣስመራን፡ ዝተምረቁ ሞያዉያን፡ ዓጢቁ ንዓቕምን ዓይነትን (Quality of Service) እቲ ሆስፒታል፡ ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።

ብከቢድ ጉልበትን ገንዘብን ወፍሪ-ዋርሳይ ይካኣሎ፡ ዜጋታት፡ መንግስቲ፡ ዝተሰርሓ ሆስፒታላትና፡ ናይ መድሃኒት ቀረብን፡ ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ዝዓጠቐ ብቁዕ ኣቅሑ ሕክምናን ይጎድለን ይኸዉን፡ ዉፉያትን ምኩራትን ሓካይምና ዉን መሃይኦም ምዕባይን፡ ካልእ ዝለዓለ ትምህርትን ንስርሖምን ትዉፊቶምን ዝበቅዕ ማዕርግ የድሊዮም ይኸዉን....፡

እንተኮነ እዚ፡ ገዛ ሃኒጽካ፡ ኣቅሑ ምእታዉ ከም ዝሸገረካ ጌርካ ምርዳእ ይቀልል፡ እቲ ዝዓበየ ኣብ'ቲ ጽንኩር እዋን ካብ ተሰርሐ፡ ዝተረፈ ንሕና መንእሰያት ንገብሮ ዝቀለለ ዕዮ-ገዛ ኢዩ ዝኸዉን ዘሎ።


ከነስምረሉ፡ ብቅዓት ሕክምና ሃገርና ንምዕባይን ተወዳዳሪ ንምግባርን፡ ኩሉ ዝኸኣለ ዜጋ ይስራሕ።


NationalEr Interest

23 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.