BREAKING News/ዜና - Ministry of Health, Eritrea Confirmed First Case of COVID-19

Updated: Apr 15


ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ቀዳማይ ብሕማም ኮሮና-ቫይረስ ዝተለኽፈ ግዳይ ከም ዝረኸበ ሎሚ ኣጋምሸት ኣፍሊጡ፡


Read Breif English Version Below, Reported by Minister of Information, Yemane.


ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድ/ቀ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ቀዳማይ ብሕማም ኮሮና-ቫይረስ ዝተለኽፈ ግዳይ ከም ዝረኸበ ንመራኸቢ ብዙሃን ዉሽጢ ሃገር ኣፍሊጡ። እቲ ግዳይ፡ ብመንገዲ ፍላይ ዱባይ ዝተባህለ መንገዲ ኣየር፡ ካብ ኖርወይ ተበጊሱ ሎሚ ሰዓት 7፡00 ቅ/ቀ ንኣስመራ ዝኣተወ፡ ናይ ኖርወይ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎ ዜግነቱ ዜጋና፡ ኤርትራዊ ኢዩ።


እቲ ወዲ 39 ዓመት ኤርትራዊ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብዝተተኽለ መሳርሒ ተመርሚሩ፡ ብቀጥታ ንመወሸቢ ማእከል ኮማዊ ሆስፒታል ቪላጆ ድሕሪ ምዉሳዱ፡ ኣብ ሃገራዊ ላባላቶሪ ብተደጋጋሚ ብዝተገብረ መርመራ'ዩ፡ በዚ ባይረስ ከም ዝተለኽፈ ተፈሊጡ። ቀዳማይ ግዳይ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣገዳሲ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ከምዘሎ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ሃገርና፡ ወሲኹ ኣረዲኡ።


ጥዕናን ምሕረትን ንግዳይ፡ ከምኡ ዉን ህዝብናን፡ ህዝቢ ዓለምን....!!!



The Ministry of Health announced this evening the first confirmed case of a Coronavirus patient who arrived at Asmara International Airport from Norway with Fly Dubai at 7:00 a.m. LT this morning. The 39-year old patient is an Eritrean national with permanent residence in Norway.


The patient was quarantined promptly following the screening process at the Airport & diagnosed positive for COVID-19 after subsequent tests at the National Laboratory. The patient is receiving all necessary treatment at the moment, the MoH has stated.


NationalEr Interest

53 views1 comment

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.