Breaking/ዜና፡ Update - Ethiopian Politics፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጲያ

Updated: Apr 15

ሓዲሽ ዉህድ ብልጽግና ፓርቲ (EPP) ኣብ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ብወግዒ ኣፍልጦ ረኪቡ ተመዝጊቡ'ስ፡ ጽቡቕ ኣርምኡ እኳ ኣፍሊጥና፡ ሰለስተ ዉድባት ኢህወደግ ነበር፡ ኣዴፓ፡ ኦዴፓን፡ ድኢህዴንን ፈሪሰን እዚ ዉድብ ከቁምኦ ዝተሰማምዓሉ፡ ሎሚ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ መሰረት ዉን፡ ካልኦት ሓሙሽተ ኣብ ክልላተን ገዛእ'ቲ ዉድብ ዝነበራ ከም ሶማል ዲሞክራሲያዊ ዉድብ፡ ዓፋር ዲሞክራሲያዊ ዉድብ...ወዘተ ሓዊሱ፡ ቆይሙ ኣሎ።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጲያ፡ ነዚ ዘፍለጠ እቲ ባብ ፍልስፍና "መደመር" ተሞርኪሱ ዝቆመ ሓዲሽ ዉድብ፡ ንኩሉ ሕጋዊ መስርሓት ከምዘማልአ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣቀድም ኣቢሉ፡ ኣብ'ቲ ዉድብ ይኩን ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጲያ ላዕለዋይ ኢድ ዘለዎ ጸላዊ ፖለቲከኛ ዝኮነ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጲያን ናይ ቅድም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሞ ዶ/ር ለማ መገርሳ፡ ምስ መሳርሕቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢየ ኣሕመድ፡ ኣብ ጉዳይ ፍልስፍና መደመር ከምዘይተሰማምዐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብልዙብ ዝርርብ ክልቲኦም ወገናት ክፈትሕዎ ምክኣሎም ይዝከር። ኣዲስ ኣበባ፡ ሜካኒካዊ ፖለቲክስ ካብ ኣስመራ ተለቂሓ፡ ብዘገምታ ንኩሉ በቦትኡ ከም ተእትዎ ጥርጥር ከምዘየለ፡ ሎሚ ኣፍሊጣ ኣላ። YouTube፡ www.youtube.com/c/NationalErInterest NationalEr Interest

6 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.