21ግንቦት 2000 ዘንቀሎ ዝኽሪ! ግንባር ቡሬ-ዓሰብ ምስ መድሕን ደቒ`ኣጻምእ!

ሚኪኤል ሓጎስ

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣባል ዴስክ ምርምርን ስነዳን፡


ድሕረባይታ ጸሓፊ፡ ሚኪኤል ሓጎስ ንንዉሕ ዝበለ ዓመታት ከም ጨንፈር ጎስጓስን ሓበሬታን ኣብ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ተማህሮ (ሃማመተኤ) ኮይኑ ሰሪሑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣባል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዴስክ ምርምርን ስነዳን ኮይኑ ዝዓዪ ዘሎ፡ ዋርሳይ ኢዩ።


ዝኽርታተይ ኣብ እዋኑ። ወርሓት ግንበትን ሰነን ቅድሚ 20 ዓመት ልክዕ ከምዚ ሎሚ እዋን ፡፡ ወራሪ ወያነን ኣሸቀልቶምን መዓልቲ ናጽነትና ንምዝራግ፡ ብቓላቶም "መዓልቲ ናጽነት ኤርትራውያን : መዓልቲ ሓዘን ክንገብራ ኢና " ብምባል ድሕሪ ምንቃድ ብዕለት 21 ግንቦት 2000 ሰንበት መዓልቲ ምኻኑ`ዩ ቦጦሎኒና ቦጦሎኒ ክልተ ብወገን የማናይ ግንባር ቡሬ፡ ኣብ ጥቅሲ ካርታ ብራኸ 601 ፍሉይ መጸውዒ ስሙ ጥቅሲ `ታባ ኮሮሻ``ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብ ምኽፋት በዛ ኣገዳሲት ስትራተጂካዊት ቦታ ሶሊኹ በቲ ኣብ ካልኣይ ወራር ብ ኣሃዱታት ከቢድ ብረትና ተሃሪማ ነፋሪት ወያነ ዝወደቀትሉ ብ ታባ ሄልኮፕተር ኢልና እንጽውዖ ፍሉይ ቦታ ሰንጢቁ ብ 37ኪሜ ድሓር ኣይሞከር ተባሂሉ ዝተሰምየ ሓሊፈን ዓሰብ ንምእታው ወደብ ንምቁጽጽራ ዘበገሶኦ ሕልመንን ዕላመአንን ንምቁራጽ ካብቲ ኣትይናዮ ዝነበርና ፍሉይ ታዕሊም ፓራ ኮማንዶ ብ ህጹጽ ጻውዒት ሬድዮ ተጸዊዑ`ዩ ኣሃዱና ናብቲ ናይ ተልእኾ ቦታ ንኣስታት 53ኪሜ ብ ምጉዓዝ ግንባር 71 ዝበጸሐት። እቲ ዝነበረ ኣድካሚ ጉዕዞን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝወረደ ስዕረትን ክዝክር እንከሎ ግን ዝኽረይ ወትሩ ሓበን ምስተመልአ እዩ።

ግንባር ቡሬ፡ ሓደ ካብ ዕርድታት ሰራዊትና ኮይኑ ካብ ዓሰብ ን ሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ 71ኪሎሜተር፡ ምስ ምጅማር ወራር ወያነ ኣብ 1998 ዝተሃንጸ ጽኑዕ ዕርዲ እዩ። ኣብ ሓጺር እዋን ዝተሃንጸ ድልዱል ዕርዲ፡ ህይወት ንምዕቃብ ህይወት ዝተኸፍሎ ድፋዓትና። እቲ ቦታ ቀላጥ በረኻ`ዩ፡ ኣብቲ ቦታ እትበርቅ ጸሓይ ፍልይቲ፡ ሙቀታ ልዕሊ ንቡር እትዕድል`ያ እትመስል። ኩናት ኣብ ቡሬ ምስ ሰብን ሰብ ዝሰርሖን ጥራይ ኣይኮነን እንተላይ ምስ ባህሪ ምስ ምኻኑ ተፈጥሮ ናይቲ ከባቢ ካልእ ዓውደ-ኩናት እዩ። ኣብ ግዜ ኩናት እቲ ደናጉላ ሞርታር ምስወደቆ ናብ ተፈንጃሪ ኣጽዋር ብምቅያር ናብ ስንክልናን መስዋእትን እዩ ዝወስደካ።ብዙሓት ብሉጻትን ካዕናናትን ደቂ`ዛ ሃገር`ውን ቀቢርናሉ ኢና ቡሬ። ሓደ እምኒ ናብ ብዙሕ ስኩጆ ስለዝቅየር።


ሓያል ምሉእ መዓልቲ ዝወሰደ ምርብራብ ኩናት ምስ ባህርን ዓሻ ጸላእን ኣብ የማናይ ግንባር ቡሬ ኮሮሻ ተዋዕለ። ኮሮሻ ን ነዊሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ክፍለሰራዊት 29 ዝጸንሐት ጸላኢ ፍጹም እተባህርሮ ቦታ እያ። ኣባና በጺሓ ናብ ጸላኢ ከይትሰግር ሕኒን ዝበልናላ ፡ብዙሓት ብሉጻት ዝኸፈልናሉ ታባ ኮሮሻ ግን ወይከ የሕሊፍካ ምሃብ ንጸላኢ፡፡ ድሕሪ ሓያል መኸት ኣብ ኢድና ዳኣ ሓደረት። ህልኽ ዝመሎኦ መኸት ኣብ ኣጻምእ ምስቲ ሓደ ወትሃደር ወገን ርእዩ ከቢድ ብረት ዝድርቢ ዓሻ ጸላኢ። መድሕን ወዲ-ኣጻምእ ክምህ እንከይበሎ ፡ ካብታ ኣብ ዝባኑ ዝነበረት ንእሽቶ ጃሎኑ ከተውዕሎ ብ መኽደን ጽሙኡ እናርወየ ንጽሙኢ ሰጊሩ ኣብቲ ኣጻምእ ንጽሙኡ በቲ ዝረኸቦ ዓወት ናይቲ ውዕሎ ኣርውዩ እዩ። ታባ ኮሮሻ ካብ ቀንዲ ዕርዲ የማናይ ግንባር ቡሬ ብ እግሪ ናይ ሰዓት ኣቢሉ ርሕቀት ዘለዋ ምውት መሬትን ሑጻን ረጊጽካ እትበጽሓ ናይ ኮሮሻ ዝመስል ቅርጺ ዝርከባ ስትራተጂካዊት ቦታ እያ።


ቀጺሉ`ውን መድሕን ወድ-ኣጻምእ ካብ ቀንዲ መስመራት/ድፋዓት ቡሬ ምስ ወጸ`ውን ኣብቲ ካብ ዕለት 30 ግንቦት ጀሚሩ ክሳብ 10 ሰነ ብዘይዕረፍቲ ን 10 መዓልታት ዝወሰደ ኣብ ጎልጎል 37 ኪሜተር ናይ ግንባር ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ምርብራብ ልክዕ ን ክሳድ ዓዲ-ሽሩም ብዘዘኻኽር መንገዲ ነተን ዋናታት ዘለወን ዘይመስላ ልክዕ ከም ምሪኢት ካርኒቫል ዘርእያ ኣብ ቅድሚት ተጋዲመን ብ መስርዕ ተሰሊፈን ዝነበራ ድሩዓት መካይንን ታንክታትን እንተላይ ናይ ማይ ቦጥን መግቢ ዝሓዛ ኦራላትን ድሕሪ ምቅጻሉ፡ ሓሻኪ ሓታቲ ዘይብሉ ሰራዊት ጸላኢ ከም ቆጽሊ ረገፈ ፡ ክሳብ ሬድዮታት ርክብ ወያነ `እባካቹህ እንውጣ . . እባካቹህ በዚህ ያለ ሰራዊት ኣይሞከረም . . . ኣይሞኮርም` ኢለን ጭ-ጭ-ጭ ከምዝብላ ዝገበረን። ኣላህዮምና`ውን ክሳብ ዝውስኹ። እዚ ዝቀርብ ዘሎ ዝኽሪ መኸተ ንልኡላውነት ኣብ ማሕፉዳ ዝኽርታተይ ዝሰፈረ ፍጻሜታት ካብቲ ብዙሕ ብውሑዱ እዩ። እዚ ዕለት እዚ`ውን ብፍሉይ ጅግንነት ዋርሳይ ሰለሙን ተስፋጼን (ወዲ-ፊጣው)፡ዓብዱሰላም በሽር(ዕባይ-ኣኽርያ)፡ጋላ ላኪ ጊንጃሮ(ወዲ-ኹናማ) ዝተመልአ ዝኽሪ እዩ። ንፈለማ እዋን ስውኣት ብጾት የውሃንስ ዘርኣይን ፡ ዳኔኤል ወዲ ሙሴን ዝራኣኽሉን ሓመድ ድበ ዘልበስክሉን ፍሉይ ተዘካሪ ፍጻሜ ዝኽርታት መኸተ እዩ።


እቲ ኩናት ኪኖ ኣብ መንጎ ሰራዊት ዝግበር ግጥም ፡ ንኤርትራውያን ኣብ ቅንያት መዓልቲ ናጽነቶም ብዘይካ እቲ ብኹናት ዝወርድ ዕንወት ኣብ ስነ-ልቦናኦም'ውን ክጉዱኡ ኣለዎም ፡ ብ ናጽነቶም ሓበን ክስምዖም የብሉን ፡ መንፈሶም ክስበር ኣለዎ ፡ መቐረት ናጽነቶም ትርጉም ክስእንሉ ኣለዎም ዝብል ሰይጣናዊ ኣተሓሳስባ'ውን ዝሓለነ እዩ ነይሩ። እቲ ዝተፈነወ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ እንተላይ ብ ወገን ማእከላይ ግንባርን ግንባራት መረብ ሰቲትን ዓዲ-በጊዖን ዝነበረሉ ኾይኑ፡ ብሓያል መኸተ ህዝብን ሰራዊትን መኺኑ ምስተረፈ ኸኣ ሕልማ ዝተኾልፈት ወያነ ናብ ም'ግፋዕ ቆልዓ ሰበይትን ምዕናውን ምርሳይን ንብረት ህዝብን ሃገርን እዮም ተታሓሒዘሞ። እንሆ ከኣ እቲ ዘይሓልፍ ዝመስል ዝነበረ ሓሊፉስ ታሪኽ ኾይኑ ነዘንትዎ ኣሎና። ዝኽርታተይ`ውን ድሕሪ 19 ዓመቱ ብ ቃላት ኣሰንዩ ዘስተንፍስ ዘሎ። መቸም ንኹሉ እንቃዕ ኣርከብናሉ። ሃሊናስ ብትዕግስቲ ንጽባሕ ነማዕድዋ`ኳ ኣሎና።


መንቀሊ ጽሑፈይ ከም ኣካል ዝኽርታተይ ፡ ብዛዕባ እቲ ኩናትን ፍጻሜታቱን ጥራይ ዘይኮነ ፡ ኣብቲ እዋን ዕንደራ ወየንቲ እቲ ኩናትን ተግባራተንን ዘፍ ምስ በለን ፡ ናይ ሰላም ስምምዕ ክንፈራረምን ፡ ዓቓቢ-ሰላም ክኣትው ተባሂሉ እናተጸበና ፡ ኣብታ ሓጻር ናይ ባዶሽ ግዜ ነታ ከም ዕምባባ ንጉሆ ጉልሕምሕም እናበለት መጻኢ ምዕባለኣ ትጽበ ዝነበረት ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ቀዲመን ንህዝቢ ኢትዮጲያ ንምዕሻው ወግሐ ጸብሐ ብ መራኸቢ ብዙሓነን ኣቢለን . . ኣብ ዝሓጸረ መዓልታት ዘሐጉስ ብስራት ብዛዕባ ዓሰብ ከነስምዓኩም ኢና ክብላ ከም ዘይወርሓ ክረኽባኣ ከምዘይክእላ ምስ ኣረጋገጻ ን ጽባቐታትን ትሕተ-ቅርጽን ዓሰብን ወደብን ሓንቲ ከምዘይብላ ከቆናጽባኣን ምስላ ክድውናኣን ልክዕ ከምታ ናይ ውኻርያ ዝበለቶ ዝብልዋ . . . መጺጽ`ዩ ዘይበሰለ ከማን ዝዓይነቱ. . . ስለዝተዘከረኒ ንኸዘኻኽር ኢለ ካብ ዝኽረይ ገለ ዝብለኩም ዘለኹ።


ዝኽርታትና እንተፈቲሽናዮ መቸም ኣብ ዝሓለፉ ናይ መኸተ እዋናት ብ ውሽብቲ ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዘይተባህለን ዘይተገብረን ኣይነበረን። ጥልመቶም ሓሶቶም፡ ነዚ ሃገር ንምሻጥ ፡ ከብድኻ ዝበልዕ ኣውያትን ብኽያትን ቆልዓ ሰበይቲ ዝስጎጉ ዝነብሩ ዜጋታትና ፡ስርዓት ንምቅያር ዝበልዎ ላዕልን ታሕትን፡ ዝተኸፍለ ንእስነቶም ናይ ዘይጸገቡ ብሉጻት ደቂ`ዛ ሃገር . . ክንደይ`ሞ ክትብሎ ካብ ዝኽሪ ነፍሲወከፍ ሰብ ኣብቲ እዋን ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሰብ ይኹን ብ ማዕዶ ዝዕዘቦ ዝነበረ ኤርትራዊ ዝርሳዕ ኣይኮነን።


እዚ ኩሉ ተግባራት በቶም ሕጂ ኣሕዋትኩም ኢና ዝብሉናን ፡ ኣሕዋትና እዮም ዝብሉን እዩ ተፈጺሙ ። ሕጂ እዚ ዘረባ'ዚ ብዘይካ ቁስልኻ ምጉዳእ ካልእ ዝፍይዶ ነገር`ኳ እንተዘይሃለወ፡ ነቶም ብሃማት መጋበሪያ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ግን በጃኩም ተበራበሩ ካብ ጌጋኹም ተመለሱ፡ ኣፍኩም ሓዙልና ምስዞም ሰባት ታሪኽ ሕውነት ድዩ ወላ ካልእ ታሪኽ`ዩ ዘለና ጽቡቕ ጌርና ንፈልጥ ሰባት ኢና`ሞ ምናልባት ስቕታና ዕሽነት ተቖጺሩ እንተኮይኑ ግን ድሓን መሰቓስቕ ስቕታና ጽባሕ ክጋሃድ እዩ ትብሎም ኣላ ማሕፉዳ ዝኽርታተይ። ኩሉ ብ ዕላማ ተሓሊፉ፡ብ ምጽማም ተሰጊሩስ ኣብዚ`ኳ በጺሕና። 29 ዓመት ብዓል ናጽነትና ከማን ክንጽንብል በቂዕና ኣሎና። ሃገር ኣብ ዝኽሪ ሓበን እትቅንየሉ መዓልታት`ውን ረጊጽና ኣሎና። እቶም ትማሊ ዝወደቁ ዳግም ክስዓሩ`ውን ማሕፉዳ ዝኽረይ ክትሪኢ በቂዓ ኣላ። ሕደማ `ንስኻ ኣብ ጎልጎል ንሶም ዕጽዋ ኣብ ሆቴል `ዝብል ዜማ ክትሰምዕ ከማን ክኢላ ። ዝኽርታተይ፡ ዘልኣለማዊ ዘየቓርጽ ዝኽሪ ነቶም ብኽብሪ ዝሓለፉ ሰማእታት ደቂ`ዛ መሬት ይኹን ትብል።ኣብቲ ገበን ዝወዓለን ዘይወዓለን ህዝቢ ኣሕፊሽካ ንምድንጋር ዝግበር ሃቐነ ኸኣ ኣይግድን ያኣክል ዓሎቅ ይብል ኣሎ ዝኽርታተይ። ካብ ሃመማ ሓኸለ ነውጽእ፡ ከብድና ባሕሪ፡ልቦናና ሰማይ ፡ ኣንዊሕና እንጥምት ኢና`ሞ ማሕፉዳ ዝኽረይ ኣይትትሃመሉ ትብሎም! ሰብ ኣሎዋ`ዛ ሃገር`ውን ትውስኸሎም ። ወድ-ሓንኩም! ዘይነጽፍ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና...!!!

ተወሳኺ፡

ብዛዕባ እዛ ኣብ መርበብ ሓበሬታ NationalEr Interest ንንባብ ወጺኣ ዘላ፡ ንተዘኩሮታቱ ኣብ ግንባር ቡሬ-ዓስብ፡ ሳልሳይ ወራር ወያነ እትገልጽ ሓጻር ጽሑፍቲ ሚኪኤል ሓጎስ፡ ከምዚ ዝስዕብ ርኢቶና ዉን ንዉስኸላ፡


ኣብዛ ጽሕፍቱ፡ ኩሉና ንፈልጣ የግዳስ ንዝንግዓ፡ ሓንቲ ዓባይ መዘኻኸሪት ጽብቕቲ ነጥቢ እንታይ ኣላ፡


ወራር ወያነ ክካየድ ከሎ'ሲ፡ ኩሉ ኣብ ዕለተ ናጽነትን ሰማእታትን ኢዪ ዝካየድ ኔሩ። እቲ ኣበሃህላታት ከኣ ይመጸና ኔሩ'ዩ፡ "ዕለተ ናጽነቶም መዓልቲ ሓዘን ክንገብራ ኢና!"፡ ዝብል ኣበሃህላ። ብጻይ ሚኪኤል ሓጎስ፡ ነቲ ኣብ ግንባር ቡሬ-ዓሰብ ኣብዚ ዝተጠቅሰ ወርሓት ዝተወልዐ ኪናት፡ ኣመልኪቱ ተዘክሮታቱ ኣካፊሉ ኣሎ።


ንሕና ዉን፡ "ስለምንታይ ኣብ'ቲ እዋን ከምኡ?" ጥራይ ዘይኮነ ክንዝክር ዘለና፡ ብድሕሪኡ ዉን ክሳብ እዚ መፈንቀለ ጃንዳ ወያነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ስርዓት ማለሊት፡ ኣብ እዋን ናጽነትና ትንዕ ክብለናን፡ ዘየለ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተታት ከካይድ፡ ናይ ቀረባ ተዘኩሮ'ዩ። ሚኪኤል ሓጎስ ብሕጽር ዝበለ፡ "ሰብ መዓልቲ ናጽነቱ ብሓበንን ርግኣትን ከይዝክር፡ ኮነ ኢልካ ነቲ መዓልቲ፡ መዓልቲ ዘይርግኣትን ኪናትን ከተመስሎ፡ ክትምርዞ፡ ዝዓለመ ክፉእ ስራሕ'ዩ!" ኢልዎ ኣሎ።


እንሆ እቲ መፈጸምታ ግን በጺሕና፡ መወዳእታ "The End"፡ ናይቲ ዓቅልን ትዕግስትን፡ ጽንዓትን ስኒ-ምንካስን፡ ኣብ ዕላማኻ ምሟት፡ ንዝሓለፉ ጀጋኑ፡ ሕድሮምን መብጽዕኦምን ምትግባር'ዩ፡ ንሱ'ዩ ከኣ እቲ ዝተረጋገጸ ቁምነገር "Justified the Mean"።


እንበር፡ "ጉዳይ ባድመ፡ ጉዳይ ኢሰያስ'ዩ!"፡ ክበሃል እኳ ኣእዛና ኣርኪበናሉ፡ ሰሚዐን ገሪምወን ሓሊፈን ኢየን።


ያኢ፡ 90ሺሕ ዜጋ ንብረቱን ሰቡን ተኸላቢቱ ተዘሚቱ ተሰጊጉስ፡ ሓደ ኢሰያስ ኮይኑ ተራኢዎም።


ያኢ፡ 19ሺሕ ላህመት ሕብረተሰብ፡ ዋጋ ዝተኸፍለሉ ካልእ ብሉጽ ወለዶ ኣብ ሓመድ ንመሬቱ ተሰቲዩስ፡ ሓደ ኢሰያስ ኮይኑ ተሰሚዕዎም።


ያኢ፡ ተወርዚለይ'ሲ፡ "ዘይ ወያነ፡ ምስ ኢሰያስ'ዩ ጸገሞም?" ክበሃል ዉን እኳ ሰሚዕና ሓሊፍና ኢና። ደሓን ይኩነልኩም፡ "ስለምንታይ?" እንተኢልካዮም ከኣ፡ "ርኢኻ ንሕና ብስሩ ሓደ ኢና ኔርና፡ ሓደ ቋንቃን ባህልን መንነትን ኣለና፡ ኢሰያስ ግን ኤርትራዉነት ዝበሃል ሓዲሽ ፋሽን መንነት ክሰርሕ፡ ምስ ወያነ ተጋጪዩ...!" እኳ ኣብ ኣፍና ክንደይ ግዜ ተባሂልና መስለኩም!


"ኤርትራ! (ቀይሕ ዕንባባ ባሕሪ) ዝብል ስም እንተተሪፉ ዉን እኳ፡ ዘለና ኣማራጺ "ምድረ ባሕሪ"፡ (ነገስታትን ወነንትን ባሕሪ)፡ ተባሂልና ከምንጽዋዕን፡ እዚ ከኣ ነቶም ብግዜ ለይትን ቀትርን ዝሓልሙ ክልተ ቶኻሉ "ዓባይ ሃገረ ዝሓረረ ገጽ" ዝኸፍአ ሕማም መርዘን ምኳኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ'ዩ።


እዚ ኩሉ ዝሰምዐን ዘዋህለለን ዝደቀሰ ኣንበሳ ግን፡ "ታይ በልካ...?" ኢሉ ምስ ተዳሃዮም፡ ሃደሽደሽ ኮይኑ መሬት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዉሸባ ኣይደንጎዩን፡ ቅድሚ ኮቪድ-19 ምግሃዱ፡ ሕማሞን ምድናሶምን ሓደ ኮይኑ መጺኡ ተጋሂዱ።


ሕድሪ ዝጠለመ፡ ብዛዕባ ሕድሪ ብዙሕ ክዛረብ ሰሚዕና ዉን ኢና። ወለቅዘለቅ ዝበለ፡ ተመሊሱ ነቲ ጽኑዕ ከብዲ ዓሳ ብሕድሪ ምጥላም ክኸሶ፡ ክወራዘ፡ ብዛዕባ ዘለዎ ክሳራን ዘይክሳራን ክጽብጽበሉ፡ "ጎጎብ ነዲኣ ሕርሲ ትምህራ" ዝብል ምስላ ዓበይቲ የዘኻኽረካ።


ተጎጃጂልካ፡ ብፍላጥ ዲኻ ብዘይፍላጥ፡ ክትጓስዮ ዝግባኣካ ህዝብኻ ንዋያ ክሒድካን ከዲፍካን ወጺኻ፡ ደብረዘይቲ፡ ኣዋሳ፡ መቀለ፡ ኣክሱም...ዕንድር ኔርካ'ስ፡ ነቲ ተባዕ ጓሳ "ሕድሪ ጠሊሙ" ትብሎ...???


ተወዲኢ'ዩ ጉዳይ!

20 ዓመት ይዉሰድ ዋላ 200 ዓመታት፡ ወዲ ሰብ እሞ ኤርትራዊ ንብላሽ ኣእላፍ ብሉጻት ጀጋንኡ ኣይከፍልን'ዩ...!!! ዋግኡ፡ ክረጋገጽ ጥራይ ኣለዎ፡ ንሱ'ዩ ከኣ እቲ ቁምነገር...!!!


ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ዓወትንሓፋሽ!

NationalEr Interest

408 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.