ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ኢትዮጲያ፡ ሃገር ኣብ ከቢድ ሓደጋ'ዶ ምድሓን...!

ጽባሕ ቤ/ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጲያ፡ ህጹጽ ግን ከኣ ታሪኻዊ ምኳኑ ዝዝረበሉ ዘሎ፡ የግዳስ ኣጀንድኡ ዉን ዘይተፈልጠ፡ ኣኼባ ሰሪዑ ኣሎ።


ነቲ ዝተወጠነ ኣኼባ ድማ፡ "ሰራቒ ሞባእ ባዕሉ ይለፋለፍ" ከም ዝበሃል ድሮ፡ ኣብ ትግራይ ዘላ ጃንዳ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ኣኼባ ከም ትኹኑኖን፡ ን"ትግራይ ተካይዶ ምርጫ" ዝኮልፍ እንተኮይኑ ባህላዊ ጸወታ ከም ትጻወት ፈኪራ።


ኣይደንጎየትን ጸኒሓ ዉን፡ ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ኣብ'ታ ኣኼባ ቤ/ምኽሪ ፈደረሽን ኣባላት ቤ/ምኽሪ ክልል መንግስቲ ትግራይ ከምዘይሳተፉ፡ ደብዳቤ ንኣዲስ ኣበባ ልኢኻ።

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ብዕለት 03 ሓሙስ 2020፡ መራሒ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣባል እታ ጁንታ ዝኮነ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ምካኤል፡ ኣብዛ ክልል ሓደጋ ክመጽእ ስለዝኮነ፡ ነዚ ክጻወር ዝኽእል ከኣ ህዉሓት ስለዝኮነ፡ ኩለን ዉድባት ኣብ ምርጫ ክልል ትግራይ ዝሳተፋ፡ ብህዉሓት ክመርጻ ከምዘለወን ብምዝራብ፡ ንመራሕቲ እተን ሃንደበት ንህዉሓት ከም ነብሪ ኣብ ርእሳ ዝደየብኣ ሰልፍታት ተስፋ ኣቁሪጹ።


ካልእ፡ ብዛዕባ "ዓንቀጽ 39" ዉን ልዕሊ ኩሉ ግዜን እዋንን፡ ምኩምስዑ ይዝከር።


ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ዉን፡ ዶ/ር ደብረጼን ንኣብ መቀለ "ቀዳማይ ወያነ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕዳጋ ዝሰርሑ ነጋዶ ኣኪቡ፡ "ኣብዚ ነፈርቲ ክድብድባ ስለዝኮና፡ ዓርስኩም ሓልዉ!" ክብል ተዛሪቡ ኔሩ።


እዚ ናይ ኪናት ዳንኬራ፡ ህዝቢ ትግራይ ተሓቂኑ፡ ናይ ድሕነት ሓደጋ ኣጋጢምዎ ኣብ ጎነ እቲ ትርሽን-ዶሽካን ኣለዋ ዝብላ ህዉሓት ንክስለፍ ድዩ፡ ዋላ'ስ ናይ ብሓቂ ነብሳ ነጊራዋ፡ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ መጺኣ፡ ንጽባሕ ወይ ዝስዕብ ዉሑዳት መዓልታት ዘይንገድፎ።


ብልክዕ፡ ኣብ ኢትዮጲያን ካብ ኢትዮጲያ ወጻእን፡ ልዑል ወተሃደራዉን ስለያዉን ምንቅስቃስ ኣሎ። ቅድሚ ሰሙን ዉን ነዚ ጽሒፍና ኔርና ኢና። ሕጂ ልክዕ እቲ ኣሰላልፋ መሳርዕን ክፍላተሰራዊት ክሳብ እዚ-ኮራት ከመይ'ዩ ዝመስል፡ ኣብዚ ክንገልጸልኩም ኣይትጸበዩ፡ ነዴኺ ማይ ዉረድላ።


ዝኮነ ሰብ ክርድኦ፡ ንኢትዮጲያ ኣዚዩ ከቢድ ናይ ህላወ፡ ግን ከኣ ቀሊል ሓደጋ ናይ ምብትታን ኣጋጢምዋ ኣሎ። ከቢድ ዝገብሮ፡ ካብ ህዝቢ ትግራይ ጀሚርካ ክሳብ ኩሎም ኣህዛብ እታ ሃገር፡ "ኪኖ ምርጫን ድግስ ዲሞክራስን ትግራይ ዝኸይድ ዳስ-ሓዊያ ዝኣይነቱ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ" ከምዘሎ ተረዲኦም፡ ብሓባር ዝገጥምሉ ዕለት ቆሪጾም ምስዘይለዓሉ።


ቀሊል ዝገብሮ ከኣ፡ ኢትዮጲያ ሽግራታ፡ ከም ሓደጋ ኮንፈደረሽን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ 1981-65፡ ቢያፍራ ናይ ናይጀሪያ፡ ታይዋን ናይ ቻይና፡ ካታሎኒያ ናይ ስጳኛ፡ ወዘተ ዝኣመሰለ ጸገማት ዝዳረግ ሽግራት ከም ዘይኮነ፡ ማለት እዚ ሕቶ ግዝኣታዊ ሓድነት፡ ብቀሊሉ ከተረጋግጾ ከም ትኽእል፡ ፖለቲከኛታት እዛ ሃገር ክርድኡ ይግባእ።


ምኽኒያቱ፡ ናይዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ጸገማት፡ ካብ ጎረባብቲ ጀሚርካ ክሳብ ኣህጉራዊ መልክዕ ዝሓዘን ፈታንን ኢዩ ኔሩ፡ ገሊኡ ዉን ይቅጽል ኣሎ። ናይ ኢትዮጲያ ግን፡ ቀዳማይ ብጎረባብቲ እትረፍ ክድገፍ፡ "ሓደጋ ኢትዮጲያ፡ ሓደጋ እዘን ሃገራት" ምኳኑ'ዩ ዝኣምና።


ብኣህጉራዊ መልክዕ እንተሪኢኻ ዉን፡ ካብ'ቲ ን"ሓድነት እምንቲ መሻርኽቲ ምብራቕን ምዕራብን ኢትዮጲያ ንምባል" ንኤርትራን ህዝባን በጃ ንምግባር ዝተፈተነ ዘይተቆጠበ ኩሉ መዳያዊ ደገፍ፡ ምርዳእ ይከኣል።


ዓለምና፡ እቲ ብኣህጉራዊ ሕጋጋትን ዉዕላትን ዝተደገፈ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ዋላ ክሳብ እዚ ቁሩብ እዋን ዘበነ ኢህወደግ፡ ከም ጡብ ኣዲኣ ኣይቀበጸቶን ኔራ፡ ሕጂ ውን እቲ ማእከል ስሕበት ኣብ ኣስመራ ስለዝመጸ'ዩ ዘይከዉን ኮይንዋ'ዩ፡ ካብኡ ሓሊፍካ ናይ ትግራይ'ዶ ካልእ ምፍንጫላት፡ ትጻወሮ ዉን ኣይኮነን።


ድሕሪ "ምርጫ ክልል ትግራይ፡ ብርግጽ ሓደ ሓደገኛ ኣጀንዳ" ኣሎ። ምኽኒያቱ ባዕሎም ዉን ስለዝዛረብሉ ዘለዉ። ከምቲ ካርታ ትርኢዎ ዘለኩም ኣብ ታሕቲ ዉን፡ ምናልባት ሰሊጥዎም "de facto state" እንተኮኑ፡ እቲ ሕልሚ ምስፍሕፋሕን ምግባትን ናብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣይከቆርጽን'ዪ።


ህዝቢ ትግራይ ናይ ምዉሳን መሰል ኣለዎ። ክህልዎ ከሎ ግን ን"ግዝኣታዊ ሓድነት" (Territorial Integrity) ይኹን "ሃገራዊ ቅኒትን ሓድነትን" (National Unity & Harmony)፡ ብሰንኪ ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፖለቲካዊ ጸወትኡ፡ በቲ ባዕሉ ዝጸሓፎ "ሕጋጋት ቁማር" ዝተበልዐ ጃንዳ ኣይኮነን ክኸዉን ዘለዎ።


ስለዚ፡ ነዛ ጃንዳ ኣጸልሚትካ ምድሃኻ፡ ንወላሓደ ጎረቤት ይኹን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከብዱ ዝበልዖ ጉዳይ ኣይኮነን። ምኽኒያቱ፡ ኢትዮጲያ ናይ ምብትታን ሓደጋ'ዩ ዘጋጥማ ዘሎ። እንታይ ዓይነት ሃገር'ያ ናይ ምፍንጫል መዝሙር ኣብ ትርኣሳ ጌራ ክትሰምዕ ትኽእል....?


ህዝብን ንብረትን እታ ክልል'ከ ክህሰ ይኽእል'ዶ...? እዚ መጀመርታ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 2-ዓመታት ክዕረ ዕድልን ግዜን ኔርዎ'ዪ። ኣይኮነን ግን፡ ምስ ዝጠፍእ ክትጠፍእ እንተመሪጽካ፡ ግድን ዋካ ከኽፍለካ'ዩ።


ዋላ እኳ፡ ዝኮነ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እንተሃለወ ዉን፡ ብዘለና ሓበሬታ፡ ጃንዳ ብዙሕ ኣብ ድፋዓትን ግንባራትን ክሰርር ዝኽእል ወተሃደር የብላን። ኪናት ድማ ሂወትን ንብረትን ስለዝበልዕ፡ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ዳንኬራ ክዉል ኢሉ ከሕልፎ ይኽእል'ዩ።


ኣብ መወዳእታ፡ መሪሕነት ብልጽግና ይኹን መሪሕነት እዘን ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዋ ዉድባት፡ ዉጽኢት ፖለቲካዊ መስርሕ ኢህወደግ ኢየን፡ ህዝቢ ትግራይ ነንበይኑ ማዕጾ ክኸፍተሎም ኣይግባእን።


ዓወትንሓፋሽ...!!!

NationalEr Interest

547 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.