ጸሊም ሞትን ኮሮናቫረስን፡ ...................Black Death Vs COVID-19

Updated: Apr 15

ጸሊም ሞትን ኮሮናቫረስን፡

...................Black Death Vs COVID-19

ብሃኒባል ኣሕመድ ተዳሊዩ ዝቐረበ፡ ንድሕረ ባይታን ጽልዋታትን ዓለምለኻዉያን ተላባዕቲ ሕማማት ኣመልኪቱ ዘምጽኦ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ከምኡ ዉን ማሕበራዊ ሱር-በተኻዊ ተኽእሎታት ለዉጢ፡ መረዳእታና ዘስፍሕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ሰናይ ንባብ፡


ዓለምና መልኣከ ሞት ኣንጸላሊዋ ኣሎ። ዓሌት፣ ሃይማኖት ፣ ብሄት ዘይፈሊ ሓደገኛ ሕማም ንመጀመርያ ካብቲ ዝተራእየሉ ናይ ኣዋርሕ ዕድመ እንተ ሃለዎ፣ ንወዲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ራዕድን ሽበራን ከእትዎ ኣይተጸገመን። ኣብ ቻይና ዝተራእየን ድሮ ኣብ ልዕሊ ሚእቲ ሃገራት ዓለም በጺሑ ዝርከብን ቀታሊ ቫይረስ ብወግዒ ዓለማዊ ለበዳ ዝብል ስም ተዋሂብዎ ይርከብ።


ከም ኮሮና ዓይነት ተላባዒ ሕማም ግን ንዓከለምና መጀመርያ ኣይኮነን። ደቂ ሰባት እንሳሳት ኣለማሚዶም ዘቤታውያን ክገብርዎም ካብ ዝጀምሩ ዘመናት ሓሊፉ ኣሎ። እንሳሰታት ብወገኖ ነቲ ወዲ ሰብ ዝለገሰሎም ፍቅሪ ብዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ሕማማት ብምትሕልላፍን ዕድኦም ካብ ምኽፋል ዓዲ ኣይወዓሉን። ሰዓል ካብ ፈረስ ፣ ፍሮማይ ካብ ደርሆ፣ ቲቢ ካብ ከብቲ፣ ኢንፍልወንዛ ካብ ኣዕዋፍ፣ ንፍዮ ካብ ሓሰማ ፣ ጸሊም ሞት ካብ ኣናጹ ሕጂ ድማ ኮሮና ካብ መንካዕ ናብ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተሰጋገሩ ተላገብቲ ሕማማት ኢዮም።


ኣብ ጥቅምቲ 1347 ብጸሊም ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ዝኣተዋ መራኽብ፣ ኣዝዩ ዘደንጹ ትርኢት ኣጋጢሙ። ነተን መራኽብ ክቕጸል ዝዓጎገ ህዝቢ በቲ ዝረኣዮ ዘስካሕክሕ ትርኢት፣ በርጊጉ ኢዩ ነናብ ዝመጾ ፋሕ ፋሕ ኢሉ። ዝበዝሑ ኣባላት ተን መራኽብ ህይወቶም ሓሊፍ፣ ብህይወት ዝተረፉ ድማ ኣካሎም ብኸቢድ ሕማም ማሲኑ ነይሩ። ሰበስልጣን ወደባት ጀኖዋ ነተን መልኣከ ሞት ሒዘን ዝመጻ መራኽብ ካብ ወደባት ኣርሒቐን ክጉሓፋ እኮ እንተኣዘዙ፣ እቲ ተላባዒ ሕማም ቀዲምዎም ኣብ መሬት እግሪ ተኺሉ ነይሩ።


ካብ 1347 ጀሚሩ ንዝቀጸለ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ንሱሳ ሚእታዊት ህዝቢ ኤውሮጳ ዘጽነተ ጸሊም ሞት፣ መበቆሉ ኣብ ማእከላይ ኤስያ( ኣብ ገለ ገለ ጽሑፋት’ ውን ካብ ቻይና ከም ዝተበገ ይነግር) ኢዩ። ኣብ ጸለምቲ ኣናጹ ዝርከብ ቁንጪ ተጸይሩ፣ በቲ መንገዲ ሃሪ ዝፍለጥ ዝነበረ መስመር ንግዲ ቻይናውያን ኣቢሉ ኢዩ ናብ ወደባት ኢጣልያ ኣትዩ። እቲ ለበዳ ቅድሚ ኤውሮጳ ምእታው፣ ኣብ ኤስያ ህይወት ኣስታት 25 ሚልዮን ሰባት የህሊቑ።


ጸሊም ሞት ዝብል ሰም ካብተን ነቲ ሕማም ዘመሓላልፍ ቁንጪ ዝስከማ ጸለምቲ ኣናጹ ዝመጸ ኢዩ። ብሳይንሳዊ መጸውዒኡ የርሲና ፐስቲስ ይበሃል። በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ዝተፈላለየ ምልክታት የርኢ። እቲ ቁንጪ ቆርበት ከም ዝመውት ስለዝገብር፣ ኣብ ከባቢ ኣእዳው ምሽማሽ የስዕብ። ሓይል ጽኪ ኣብ እግሪ፣ ክሳድን ረቓቒቶን የስዕብ። ጸሊም ሞት ዝለኸፎ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ይመውት።


ናብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ተላቢዑ ዝርከብ ኮሮና ኣበጋግስኡ ምስ ላበዳ ጸሊም ሞት ይመሳሰል። ክልቲኦም ካብ ከባቢ ማእከላይ ኤስያ፣ ርሑቕ ብምራቕ ኤስያ ዝተበገሱ ኢዮም። ጸሊም ሞት ንቁጠባዊ፣ ፖለቲካውን፣ ማሕበራውን ኣቃውማታት ናይ ግዚኡ ናብ ዑና ለዊጥዎ። ኮሮና ውን ብግዲኡ ድሮ ዓበይቲ ጽልዋታት ክገብር ጀሚሩ ኣሎ።


ጸሊም ሞት ህይወት ናይ ልዕሊ ብገምጋም 60% ( ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ ኢዩ) ናይ ኣህዛብ ኤውሮጳ፣ ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኤስያን ወሲዱ። ክሳብቲ ጸረ ነብሳት ዝተማህዘሉ እቲ ለበዳ ሓሓሊፍ ይኽሰተት ነይሩ። ኮሮና ውን ብግዲኡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ትሓልፍ ደቒቕ ፣ ኣሽሓት ትንፋሳት ለኪሙ ይዕዘር ኣሎ። ከም ጸሊም ሞት መድሃኒቱ ክሳብ ዝርከብ ንዓመታት ንወዲ ሰብ ገንሸል ክገብር ድዩ ዘይክገብር ግን ኣብ ጻዕርን ምርምርን ሊቃውንቲ ዝምርኮስ ኢዩ።


ጸሊም ሞት ብኸቢድ ዝጸለዎ ነገር ቁጠባ ኢዩ። ምስ ምንቁልቋል ብዝሒ ህዝቢ፣ ፣ዓያዩ ጉልበት ስለዝተሳእነ ኣፍራይነት ክጎድል ተቐሲቡ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ መስፈናዊ ሰርዓተ ቁጠባ ድማ ክነቓነቕ ጀሚሩ። ኣብ መወዳእትኡ’ውን ቀዲቑ። ኮሮና ኣብዘን ናይ ኣዋርሕ ዕድሚኡ ብግዲኡ፣ ንመላእ ቁጠባ ዓለም ኣልሚስዎ ይርከብ። ነዚ ንዓለም ገዚእዋ ዝርከብ ርእሰማላዊ ስርዓት ስርዓት ብሰንኪ ኮሮና ኣብ ዓሚቕ ቅልውላው ምእታው ዘይተርፍ ኢዩ።


ልዑል ኣፍራይነት፣ ናጻ ዕዳጋን ዘይምትእትታው ኢድ መንግስቲ ኣብ ቁጠባ ዓንዲ ሕቖታት ርእሰ ማላዊ ስርዓት ኢዮም። ብሰንኪ ሰብ ኣብ ገዝኡ ምውሻቡ ኣፍራይነት ትሕቲ ባዶ ወሪዱ፣ ዕዳጋታት ተለኲቶም ኣብ ዘለውሉ ካብ ዓርሞሽሻውያን ትካላት ክሳብ መንግስታት ናብ ጥፈሻ ገጾም ከም ዘምርሑ ርጉጽ’ዩ። ስለዚ መንግስታት ነዚ ዘጋጥም ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንምምካት ኢዶም ኣብ ቁጣባ ምእታው ግድነት ክኸወን ኢዩ። ነገራት ብኸምኡ እንተ ቀጺሎም ርእሰ ማልነተ ወዲቑ ሓድሽ ስርዓተ ቁጠባ ክምዕብል ይኽእል ኢዩ ዝብሉ ትንታነታት ኣለው።



ብሰንኪ ጸሊም ሞት ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ። ኣይሁዳውያን ከም ጠንቂ ናይቲ ሕማም ስለዝተወስዱ፣ ነቲ ሰሪቱ ዝነበረ ጸረ ጽዮንነት ሰምዒታት ብዝለዓለ መልክዑ ቀጺሉ። ጽልኢ፣ ሞት፣ ምጭፍጫፍ ድማ መሳንይቲ ናይ ኣይሁዳውያን ናይቲ እዋን ኮኑ። ኣብዚ እዋን ’ዚ ህዝቢ ዓለም ነታ ፈላማ ኮሮና ዝተራእየላ ቻይና ክረግም ኢዩ ዝውዕ ል ዘሎ። ብቑጠባን ፖለቲካን ደርማስ ሃገር እንደ ኾነት ትኸይድ ዘላ ቻይና ብሰንክ’ዚ ሕማም ምስላ ጸሊም ምልካዩ ኣይክተርፎን ኢዩ። እቲ ሕማም ኣብ ሓደ ዞባ ቻይና ጥራይ ብምርኣዩ ንጥርጣሬታትን ህዝቢ ዓለም ኣብ ልዕሊ ቻይናውያን ዘጋድድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።


ከምቲ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ፣ ጸሊም ሞት ንማሕበራውን ባህላውን ኣቃውማታት ናይቲ እዋን ከምዘየሎ ኢዩ በታቲንዎ። ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳ ናይ ጻልማት እዋን ዝፍለጥ መዋእል ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ዝዓብለሎ ኢዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ሂወት ድሕሪ ሞት ዝብል ዓንዲ ሃይማኖት ኣምር ሃደሽ ደሽ ክብል ጀሚሩ ። እዚ ነቲ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ዘመነ ምንቕቓሕ መሰረት ኮይኑ። ዘመነ ምንቕቓሕ ድማ ኢንዳስትርያዊ ሰውራ ወሊዱ። ለበዳ ኮሮና ንዓለምና ናበይ ገጹ ኢዩ ክወስዳ፧ ደጊሙ ናብ ምንቕቓሓን ዕብየትን ይወስዳ ዶ ይኸውን ወይስ ሒዝዋ ኢዩ ክዕዘር፧ ወይስ ውሑዳን ዝነግስሉ፣ ብዋጋን ረሃጽን ካልኦት ዝነብሩሉ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ኢዩ ብድሕሪት ተጠጂኡ ዘሎ፧ ሃንደራእ ኢልካ ዘይምለሱ ዓበይቲ ሕቶታት ናይ ግዜና ኢዮም።


ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና እንዳ ዛየደ፣ ጸጋታት ድማ እንዳ ወሓዱ ይኸዱ ስለዘለው፣ ቁጽሪ ህዝቢ ክጎድል ኣለዎ ዝብሉ ዝተፈላለዩ ውዲታውይን ክልሰ ሓሳባት ተቐላቒሎም። መርዓ ሕደ ጾታ፣ ኣብ ላባራቶሪ ዝተሰንዑ ሕማማት፣ ውግኣት ካልኦትን መሳርሒ ናይቶም ውዲታውያን ክልሰ ሓሳባት ኢዮም ዝብል ነቀፌታ ኣሎ። ላበዳ ኮሮና ብዝሒ ህዝቢ ንምጉዳል ደይ መደይ ኢልካ ዝተመስርሐ ቫይረስ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ግዜ ከድልዮ ኢዩ።


ገለ ተመራመርቲ ኣከባቢ ጸሊም ሞት ኣብ ኣከባቢ ኣወንታዊ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ይማጎቱ። ብሰንኪ ሞት ዝሰዓበ ዋሕዲ ናይ ሰባት ናይ ዓለምና ሙቐት ክጎድል ክኢሉን፣ ኣግራብ ንኽቕቦቕሉ(Afforstaion) ምቹእ ኩነታት ተፈጢሩ። ሙቐት ዓለምና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ድማ ባህርያዊ ኣከባቢ ሰፍ ዘይብል ዕንወት ወሪድዎ ኣሎ። በዚ መንጽር እንክርአ ኮሮና ነቲ ወዲ ሰብ ዘበላሸዎ ተፈጥሮኣዊ ኣከባቢ ፣ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝመጸ ባህርያዊ መስርሕ ይመሰል።


ንምድምዳም ቅድሚ ገለ ዓመታት ሊቕ ፊዝክስ ስቴፈን ሃውኪን ዓለምና፣ ሰባት ክነብሩላ ኣጸጋሚት ክትከውን ኢያ። ስለዚ ሰባት ንካልኦት ኪንዮ ምድሪ፣ ካልኦት ፕላኔታት ሃሰው ክብሉን ኣለዎም ዝበለ ዘረባ ግዚኡ ዝኣኸለ ይመስል። እታ ደቂ ሰባት ሃሰው ኢሎም ዝረኽብዋ ፕላኔት ስግኣት ኑክለር፣ ውግእ፣ ሕማማት ዘይብላ ገነት’ዶ ትኸውን፧ ዶስ ደቂ ሰባት ኩሉ ሽግራቶም ጸይሮም ዝኸድዋ ገዛ ክራይ ኢያ፧ ክሳብ ሎሚ መልሲ ዘይረኽብኩለን ሕቶታት ኢየን።


* ንዝሓመሙ ምሕረት ይውረድሎም። ክሳብ ሕጂ ምስ ጥዕናና ዘለና ድማ ዘድሊ ምጥንቃቕ እንዳ ገበርና ጥዕናና ንሓሉ።


መወከሲታት፣ History.com

Livescience.com

Wikipedia

NationalEr Interest

6 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.