ጠቀነ ጋዜጣ ጀርመን፡ "Bild", German's Daily Paper፡Allegations፡

Read English Version Below, Reported by the State Minister of Information,


ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ንምስጢራዊ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ተወኪሳ፡ "ሩሲያ፡ ኤርትራ ትርከበን ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትድኩን ወዲኣ ኣላ"፡ ክትብል ዝገለጸት ጋዜጣ ጀርመን ቢልድ (German Daily Paper, Bild) ዝተባህለት መዓልታዊት ትሕተም ጋዜጣ፡ ነቲ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ሃገረ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ሓሶትን ኣካል እቲ ዝጸንሐ ናይ ምጽላም ዘመተ ምኳኑ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ 2019፡ ፕረዚደንት ኢሰያስ ንሓዲሽ ተበግሶ ምትእኽኻባት ሃገራት ቀይሕ-ባሕሪ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና ዉሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ "ዝኮነት ሃገር ኣብዚ ዞባ፡ ካልእ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ቻይና በላ ኣሜሪካ፡ ጸጥታይ ከተረጋግጸለይ ትኽእል'ያ፡ ክትብለና ኣይትኽእልን'ያ..."


ክብል፡ ነቲ ኣብ ጂቡቲ ዘሎ ናይ ዝተፈላለያ ሓያላን ሃገራት ወተሃደራዊ መደበራትን ኣብ ዞባና ዘለዎ ኣሉታዊ ጸጥታዊ ኣበርክቶን ኣመልኪቱ፡ ዘይዕግበቱ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።


በዚ መንጽር፡ ኣብዚ ዞባ ንቀጻሊ ዉን ሩሲያ ትኹን ቻይና፡ ኣቀዲሙ ዉን ናይ ኢራንን እስራኤልን መደበራት ዝተወሪየ ምንባሩ ምዝካር ይከኣል፡ ብሓፈሻ ግን እዘን ንናይ ወጻኢ/ስግረ-ባሕራዊ ስትራተጂካዊ ረብሓታተን ክብላ ዝወፍራ ሓያላት ሃገራት፡ መተካእታ ናይቲ ኣብዚ ዞባ ንደሊዮ ሰላምን ጸጥታን ክኾና ፈጺመን ከምዘይክእላ ምእማን ጽቡቕ'ዩ።


Citing "secret German Foreign Ministry report", the German daily paper, Bild, alleges that Russia was "contractually assured" of military bases in six African countrie, including Eritrea. The speculative report is utterly false & mere extension of covert & pathetic smear campaign.


It is Very Clear that, Eritrea and the rest of Horn/Red Sea countries are doesn't need any alternative foreign superpower forces to assure the security and peace of this region. Not China, not America not anyone of them.


NationalEr Interest

68 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.