ዶብ "መሰል"፡ "ዶብ ሃገርን መንነት/ዜግነትን'ዩ"!

ዶብ መሰል፡ ዶብ ሃገርን መንነት/ዜግነትን'ዩ!


መሰል ዶብ የብሉን ይብሉኻ....?

መሰል ዶቡ፡ "ሃገርን ሃገራዉነትን'ዩ!"፡ ኣብ ክሊ ዶብካ ዶብ-ሃገርካ፡ ዋላ ህዝብታት ኣብ ምንታይ ማሕበራዊ/ቁጠባዊ/ፖለቲካዊ ኣቋዉማ ክምርኮሱ ኣለዎም፡ ክትሓስብ፡ ክትማጎት ኮነ ክትቃለስ ትኽእል ኢኻ፡ ኣድማሳዊ ብህሎ'ዩ። ዋላ ኣነ፡ ሓደ ካልእ ኣይቀበሎ፡ ግን እቲ ሰብ መሰሉ'ዩ።

ኖ'ኣነስ ዶብ የብለይን፡ ክልተ ህዝቢ ክሕዉስ ይሓልም'የ፡ ባንዴራ ከቃጽል'የ፡ እዚ ኣብዛ ቤ/ክርስቲያን ዘሎ ሃይማኖት ምስ ናይ ኣሌክሳንደሪያ ግብጺ እንተዘይተተሓሒዙ/እንተዘይተማሓዲሩ ሃይማኖተይ ኣይኮነን/ብእኡ ዉን ኣይምእዘዝን'የ፡ ኣነስ ቫቲካን ብመንፈስ ከተመሓድረኒ'ያ ዘለዋ። ብታንኪ ጎረቤትን ኣቃናባርነት ሓያላት ሃገራንን ኣብ ኤርትራ ካልእ መንግስቲ ክተክል'የ....መሰል ሰብ ክግህስ መሰለይ'ዩ....ወዘተ ዝዓይነቱ ፋሉል ኣበሃህላ/ኣተሓሳስባ......፡ "መሰል" ዘይኮነ ኪናት ጥራይ'ዩ።


ኣብ ትሕቲ ዝኮነ ይኩን ቦታን ሰዓትን፡ መድረኽን ዉን፡ ተቀባልነት የብሉን ጥራይ ኣይኮነን፡ መጀመርታ ከነረድኦ፡ ደሓር ኣሻፈረይ እንተኢሉ፡ ክንቃለሶን ክንቀብሮን፡ ሕሪያ ኣይኮነት፡ ግዴታ'ዩ። እዚ ዋላ ከም መንግስትን ማሓዉራት ጸጥትኡን ኣይግበሮ፡ ተዳኺሙ ሓሚቁ ሸለል ይበሎ፡ ናትና ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ግዴታዊ ሓላፍነት'ዩ።



ምጽዉዋር ሓሳባት፡ ነቐፌታ፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ዋላ ዉን ንምሕደራ መንግስቲ፡ ኣቃዉማ ዉድብ ምቅዋም ንበሎ ወዘተ፡ ዝኮነ ይኩን ሽም ኣጠሚቅካ፡ ኣብ ክሊ ዶባትካን ዜግነትካን ኬንካ ምቅላስ፡ ቅቡል'ዩ፡ ሎሚ ነዚ ዝቅበል ኣካል እንተዘየለ ዉን፡ ጽባሕ ክህሉ'ዩ። በዚ ጫፍ ወገን ዉን ከም ዜጋታት ብማዕረ ንቃለሶ ጉዳይ'ዩ።


ዕንደራ ግን፡ ናጽነትይ ኣይኮነን፡ ባንዴራይ ኣይኮነን....ካልእን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ዝብለና ኣካል እንተሎ፡ እዚ ናይ ህላወ ሕቶ ስለዝኮነ፡ ንኽንህሉ ዉን ኣሻሓት ጸለምትን ቀያሕትን ምስ ኣድማስ ዝ'ደረት ትርኢቱ ሕልሞም፡ ሰለዝቀበርና፡ ክንሰምዓኩም ኣይኮነን፡ ንምቅታልኩም ዉን፡ ኣካል ሕድሪ ስዉኣትና'ዩ።


ኣብዞም ደምበ ዕንክሊል ኣቶኪርና ኣሕጺርና ምስ ንዛረብ፡ ኣብዚ ጉዳይ ብዘለዎም ርዲኢት ክኸዉን ይክእል ተልእኾ፡ ንበዓል ናጽነትን ባንዴራን ኣመልኪቶም ኣብ ክልተ ደንበ ተመቂሎም። እቶም ሓደ ኣይ ናጽነተይን፡ ኣይ ባንዴራይን፡ እቶም ካልእ ድማ፡ ኖ'ካብዚ ዝዓቢ ጉዳይ ናይ ሃገር የብልናን፡ ናጽነትናን ባንዴራንን ነብዕል፡ እንተኮነ ብዚያዳ መብጽዓን፡ ስራሕን፡ ዝብል'ዩ።



እዚ ኣብ ካልእይ ወገን ዝተገልጸ፡ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን። ሰብ እንተደሊኡ ብሓጎስን ደስደስን የብዕሎ፡ እንተደሊኡ ዉን ብዚያዳ መብጽዓ፡ ሕድሪ ስዉኣት ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ዘድሊ ስራሕ፡ ከተብዕሎ ምሕላን፡ ኣብ ወረቀትን ዜናዊ ሃልክን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተግባር ዉን ክንሪኢዮም ኣለና።


ምስቶም ኣይ ናጽነተይ ኣይ ባንዴራይ ዝብሉና፡ ዝኮኑ ይኹኑ ኣካላት፡ ዉልቀሰባት፡ ጉጅለ ዋላ ማሕበር (መብዛሕትኦም እኳ ብስም ኤርትራን ኤርትራዉያንን ዝሽቅጡ ሰብ ተልእኾ ደቂ ሕድርትናዮ'ም) ግን፡ ብረትን ሳንጃን ጥራይ'ዩ ዘራኽበና። ምስ ጉዳይ "መሰል" ዝጽጋዕ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ባዕዳዊ ዳንኬራ፡ ኣብዚ የለን።

ምኽኒያቱ፡ ክርድኦም ናይዝኮነ ሃገር ኣብነት ምግላጽ ዉን ይከኣል፡ ከምቲ ኣብ ኣሜሪካዉያን ንበሎም፡ ምስ ሩሲያ ተጸጋጊዕካ፡ ዝግለጽ ኮነ ዝስራሕ፡ መሰል'ዩ ዝብል ዉን ርኢናን ሰሚዕናን ስለዘይንፈልጥ።


መጠቃለሊ ኣገደስቲ ነጥብታት፡

•√ ንሓንቲ ሃገር ዘቁሙ ኩሎም ባእታታት ማሕበራዊ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ፡ ከም ታሪኽ፡ መንነት/ዜግነት፡ ባንዴራ፡ ሓድነት፡ ኩሎም ዓይነት ልኡላዉነትን ካልኦትን፡ ናይ ሓባር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ድማ ክሃንጾምን ክከላኸለሎም ይግባእ።

•√ መሰል ኣብ ክሊ ዶብን መንነትን፡ ብመንጽር ግቡእ ኢዮም ዝረኣዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ከምኡ ዉን ፖለቲካዊ ዕዩ ሃገሩ ክሳተፍ ብመንጽር ግቡኡ መሰሉ'ዩ። መሰል'ዶ ይቅድም ጉቡእ ብዙሕ ኣከራኻሪ ሕቶ ኣሎ። እቲ መልሲ ከከም ደረጅኡ ይረኽቦ'ዩ እቲ መልሱ። ንኣብነት፡ ሓደ ዜጋ ዉልድ ምስ በለ ኣብ ሃገሩ ክረኽቦም ዝግቡኦ መሰል ኣለዎ። ንሳቶም ከኣ ከም፡ #ምሉእ_ኣገልግሎት ጥዕና (ክሳብ ነጻ ክታበት)፡ #ትምህርቲ#ጽሩይ_ዝስተ_ማይ#ሓይሊ_ጸዓት#መጓዓዚያ ወዘተ፡ ኩሎም ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝጠቃለሉ፡ ተወሓደ ብስማዊ ክፍሊት፡ ብዝክእሎ ክረኽቦም ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሓላፍነት'ዩ፡ ነቲ ከም ዜጋታት ዋላ እዛ ክታበት ተጌራትልና፡ ጥዑያት ዜጋታት ኬና ዝዓበና፡ ኣይንረስዕ።
ድሕሪ እዚ፡ ሓደ ዜጋ ዓቅሚ ኣዳም በጺሑ፡ ዝኣክል ወፍሪ ተጌርሉ፡ ግቡኡ ምስ ዘማልእ ዉን፡ እቶም ቀጺሎም ዘለዉ ናይ ቁጠባ፡ ፖለቲካዊ፡ ወዘተ ናይ ምስታፍ መሰሉ ከከም ደረጅኡ ይረኽቦ። እቲ ብሰንኪ ዘይንቡር ኩነታት ሃገርና ዝኣተወቶ ናይ ዘይንቡር ኣካይዳ፡ ምስ ግዜ ቀስ ብቀስ ኣብ ቦትኡ ክምለስ ምዃኑ ዝተረጋገጸ'ዩ።

•√ ኣብ ክሊ ሃገርን መንነትን ዘሎ መሰል ብመንጽር ግቡእ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ብሰንኪ ዉሑድ (Minority) ብምዃንካ ትስእኖ፡ ብዙሕ ምኳንካ (Majority) ምኳንካ ከኣ ትግብቶ ዓይነት ቁጠባዉን ፖለቲካዊን መድረኽ ክንፈጥር ኣይንደልን ኢና። መጀመሪያ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ካብ መንገዲ ጸቢብ ጸቢብ ንቁልቁል ምጥርናፍ (ኣብ ብሄር፡ ዓሌት፡ ቀቢላ፡ ሃይማኖት...ወዘተ) ዝተሞርከሰ ኣቃዉማ ሕብረትሰብ ክወጽእ ክኽእል ኣለዎ።
ከመይ'ሲ፡ እቲ ቅኑዕ ኣቃዉማ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ኣብ መሰረታዊ ረብሓታቱ ዘማልኡ፡ ሓድነትን ስኒትን ዝተቀነቱ፡ ስልጡን ኣተሓሳስባ ክኽተልን፡ ሓደ ሕብረትሰብ ዉን ኣብዚ ተሞርኪሱ ብክሊ-ሓሳባት ክመቃቀል ይኹን ክማጎት፡ ቅኑዕ ርድኢት'ዪ። ሸቃሎ ንኣብነት ዓሌቶምን ብሄሮምን ብዘየገድስ፡ ንሓደ ኣብ ሕርሻን ሰንዓን ዝተሞርከሰ ቁጠባዊ መደብ ስራሕ (ፕሮግራም) ዘለዎ ዉድብ ክድግፉ ቅዱስ ሓሳባት'ዩ።
ኣብዚ ተሞርኪሶም ኣብ ዉድድር ዝኣትዉ ዉድባት እንተሃሊዮም ከኣ፡ ዝበዝሐ ደገፍ ዝረኸበ ሰዓሪ ክመርሕ (Majority Rule ዝበሃል)፡ እቲ ዝተሳዕረ ዝወሓደ ድማ ግቡእ መሰላቱ ክቅደመሉ (Minority Rights)፡ ሓደ ሚዛናዊ ፖለቲካዊ ምሕዳራ ይኸዉን።

በዚ ንዝህሉ ዘይቅቡል መረዳእታታትን ባዕዳዊ ተልእኾን ክንምክት፡ በቲ ድማ ንመጻኢና ንምጥጣሕ ክንጓዓዝ/ክንስጉም፡ ናይዚ ዓመት ጭርሖና'ዩ።


"ንምክት ንስጉም!"

ዓወትንሓፋሽ! NationalEr Interest

42 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.