ኣብዚ ወርሒ፡ "ጥቅምቲ 03 2013" ፍጻሜ ላምፔዱሳ ማእከላይ ባሕሪ፡ ሂወት 367 ንጹሃን ዜጋታት ዝቀዘፈት ዕለት፡

ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት፡ ከም ህዝቢ ካብ ዘጋጥመና ዘስካሕክሕ ሓደጋን፡ ሰብኣዉን ሞራላዉን ንዋታዉን ክስራን፡ ምናልባት እዛ ዕለት እዚኣ፡ እታ ዝኸፍአት ትኸዉን።


በብእዋኑ ኣብ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ስደት ዝጠፍኡና ኩሎም ዝነኣሱን ዝዓበዩን ዜጋታትና፡ ክሳራና፡ ክሳራ ህዝብን ሃገርን ኮይኑ ኢዩ ዝነብር፡ ክንዝክሮ ድማ ኢና።

ስለምንታይ እዚ ኩሉ ንርዱእ ምኽኒያት ገዲፍና፡ በዚ ጠንቂ ግን፡ ዝወረደና ፖለቲካዊ ክሳራ፡ ቁጠባዊ ጸቕጢ፡ ማሕበራዊ ዘይርግኣት፡ መዘና የብሉን፡ ጸዋሪኡ ጥራይ ከኣ'ዩ ጸሪዎ'ስ፡ ከም ሃንደስቱን "ኣቀበልትን ተቀበልትን ፍልሰት" ልኡኻት ሳጥናኤል፡ ርኹምሽ ኢልና ኣይተረፍናን፡ ጓሂና ኣብ ከብድና ጌርና፡ መሊስና ጸኒዕና። እዚ ክንኣምነሉ ኣለና።


ኣስታት 500 ዝኮኑ ዝበዝሑ ኤርትራዉያን፡ ከምኡ ዉን ዉሑዳት ሶማላዉያን፡ ጋናዉያንን ተጓዓዝቲ ተሰኪማ፡ ካብ ሚስራት ዝተባህለት ዓዲ፡ ሊብያ ተበጊሳ፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቃ ኣብ ገማግም ደሴት ላምፔዱሳ ዝበጽሐት፡ 22-ሜትሮ (66ft) ዝቁመታ ንምግፋፍ ዓሳ ተባሂላ ዝተሰነዐት መርከብ፡ ናይ ሞተረ ጸገም ኣጋጠማ።


ካብ ሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣሊያ ሓገዝ እንተረከቡ፡ ገለ ተጓዓዝቲ ኮፖርታ ኣንዲዶም፡ ብሃልሃልታ ሓዊ ኣተኩሮ ክረኽቡ ዝሓሰብዎ፡ ሃንደበት እቲ ሓዊ ናብ ሞተረ፡ ናይ ነዳዲ ገንኢ እታ ስናዕ መርከብ ሓሊፉ ተባርዐ።


መርከብ ድማ፡ እትረፍ ኣብ እዋኑ ህጹጽ ሓገዝ ክትረክብ፡ ብቅልጡፍ ናብ ሃልሃልታ ባርዕ ሓዊ ተቀይራ፡ ዝኸኣሉ ተጓዓዝቲ በብዝጥዕሞም ናብ ባሕሪ ክነጥሩ ጀሚሮም።


ካብ ኣስታት 500 ዝኮኑ ተጓዓዝቲ ድማ፡ ህጻናትን ዓዴታትን ዓበይትን ዝርከብዎም፡ ኣስታት 367 ዜጋታትና እንበኣር፡ ኣብ ናይ ቋሕ-ሰም ግዜ ተቐዝፉ። ካብዚ፡ እቶም 155 ብሂወት ክድሕኑ ከኣሉ።


ኣብ'ቲ እዋን እንበኣር ንዝክሮ ኩነታት እንተኔሩ፡ ዳርጋ ኣብ ነፍሲወከፍ ዓድን ከተማን ሃገርና፡ ናይ ዳስ ሓዘን ተተኺሉ ኔሩ። ፈቀዶ ጎደናታት ኣስመራ ዘሎ ታቤላታት ሓበሬታ (Notice Boards) ብ"መርድእ" ዝብል ወረቓቅትን ኣሳእልን፡ ተባሒቱ ኔሩ።


ከም ባህልን ማሕበራዊ ክብርታትናን፡ ናይ ሓደ ዜጋ ሕልፈት፡ ኪኖ መቅርብ ቤተ-ሰብ፡ ዳርጋ ንመላእ ዓዲ ወይ ከተማ ክትንክፋ ግድን'ዩ። እቲ ሓዘን፡ ናይ ኣቦን ኣደን፡ ወይ ደቂ፡ ዉሉዳት፡ ገዛዉቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ነቲ ሓዘን ዝቋደሶ ሰፊሕ'ዩ። ሰፊሕ'ዩ፡ ስድራቤትናን ሰብናን ኣብዛ ሃገር።


እቲ ዚያዳ ካልኦት ዘጋጠሙ ዘሐዝን ፍጻሜታት፡ ጎሊሑ ዝርአ ህልቂት ላምፔዱሳ ጥቅምቲ 03 2013፡ ኣቃልቦ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ክስሕብ ንቡር ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ብታሕቲ ታሕቲ "ዝእለም ዝነበረ ቶንኮልን ኣለምቱን" ኣይኮናን ንዛረብ ዘለና። ብዛዕባ እቲ ኣብቲ እዋን ዝጓሃየ ግሩህን፡ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራን ኢና።


ብወገን መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዕለት 09 ጥቅምቲ 2013፡ ልክዕ ድሕሪ 6-መዓልታት፡ መግለጺ ኣዉጺኡ። እቲ መግለጺ፡ ነጻ መርመራ ክካየድ ኢዩ ዝጽዉዕ ኔሩ፡ እቲ መጸዋዕታ ድማ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ይቅጽል ኣሎ። ንስድራቤት ግዳያት ድማ ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ዝሓዘለ ኢዩ ኔሩ።


መግለጺ ብተወሳኺ፡ ብቀንዱ ንዕላማ እቲ "ቀላዕትን ቦርቴረን" ኮይኖም ኣብ መሓዉራትና ሸርተተ ዝኣተዉናንን፡ ብገዛእ ህዝብና ዝትሕጃ፡ ንቁማር ኣብ ጣዉላ ኮፍ ከብሉና ዝጽዕቱ ዝነበሩን፡ ስልታዊ ዓሌታዊ ምጽናት ኣዊጆም ንምስሓዉና (Depopulation Agenda) ኣበርቲዖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ዘተኮረ ከም ዝነበረ፡ ንዝክሮ ጉዳይ ኢዩ።


ኣብ መዛዘሚ፡

ሎሚ ሎሚ፡ ብዛዕባ ብገዛእ ርእስና ዘካየድናዮ መጽናዕቲ ኣብ ጉዳይ "ኣጀንዳ ፍልሰት፡ ካብ ትግራይ ክሳብ ኤዉረጳ" ከም መጠን በብሰዓቱ ኣብዚ ክንትንክፎ ንፍትን ዝነበርና፡ ንካልእ እዋን ሰፊሕ ዝርዝር ከነቐምጥ ምኳኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ሓደ ነገር ኣተሓሳሲብና ክንፍለ።


ኣብ ታሪኽና ከም ህዝብን ሃገርን፡ ክሳብ እዛ ሰዓትን ደቂቅን፡ ንህላዌና ካብ ዘጋጠሙና ፈተንቲ እዋናት፡ ንምፍሻሎም ዝተቃለስናዮን ዝተጓናጸፍናዮን ዓወት ጥራይ ኣይኮናን ክንዝክሮ ዝግባኣና። ንከቢድ ክሳራታትና ድማ፡ ንዘልኣለም መምሃሪን ክኾነና፡ ክንዝክሮ ትብዓት ይሃበና።


ልክዕ ኢዩ ከቢድ፡ ንምግላጹ ዉን ዝተሓላለኸ። እንተኮነ፡ ከምቲ ህልቂት ወኪዱባ፡ ዖና-በሲግድራ፡ ኣቁርደት፡ ሕርጊጎ፡ ወዘተ ንዝክሮ፡ ነዚ ዝሓለፍናዮ ሕማቕ እዋን ዉን፡ ምእንቲ ክብረትን ዋጋን ዜጋታትና፡ ድሕሪ እዚ ምዝዛም መድረኽ "መኸተ"፡ ክንዝክሮ ክንቅሰብ ኢና።


እትረፍ ብኣማኢት ዝቁጸሩ፡ ሓደ ዜጋና ዉን ክቡር ኢዩ።


ንገለ ወገናት ዘልና ነቐፊታ ዉን ኣሎ። ሃገርካ ምፍታዉ፡ ብሃገርካ ምሕማም ምጽላል፡ ጽቡቕ ጥራይ ኣይኮነን፡ ትዕድልቲ ዉን ኢዩ። የቐኔልና ፈጣሪ እዚ ዝዓደልካና። እንተኮነ፡ ፍቕሪ ሃገር፡ ብፍቕሪ ሓደ ተራ ዜጋን፡ ተራ ጸጸር ዓድኻን ከም ትጅምር ምግማት ጽቡቕ'ዩ።


ዜጋታትና፡ እንታይን ስለምንታይን እዚ ኩሉ ንማእከላይ ባሕሪ፡ "ዘይ ምርጭኦም ኢዩ"፡ "ዘይ ሃዲሞም ኢዮም"፡ "ዘይ ወዘተ"፡ ዝዓይነቱ ዓገብ ዘረባ ሰሚዕና ሓሊፍናዪ ኢና፡ ምናልባት ልቢ ሓጺርና ኔሩ ይኸዉን።


እንተኮነ ግን፡ ከምቲ "ቅኑዕ ይኹን ጌጋ ሃገረይ" ንብሎ፡ "ቅኑዕ መንገዲ ይኸተሉ ጌጋ፡ ዜጋታትና" ምባል ድማ ግዴታ ኣለና። እንተክኢልካ፡ ንህዝብኻ መንገዲ ትመርሖን፡ ካብ መዓት ተድሕኖን እንበር፡ እንተጸዲፉ "ዘይ ኣዒንቱን እግሩን" ኣሚኑ ምባል፡ ልክዕ ዓገብ ኢዩ።


ንስድራ ግዳያት፡ ጽንዓት፡ ንህዝብና መሊሱ ጽንዓት!

ንሕና፡ ብንሕና፡ ንሃገርና!


መተሓሳሰቢ፡ (ወሲድናዮ ዘለና ቁጽሪ ግዳያት፡ ጌና ብነጻ ኣካል ኣይተጻረየን ኣይተጸንዐን፡ ክዉስኽ ይኽእል ክጎድል)፡


ዓወትንሓፋሽ...!!!

NationalEr Interest

382 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.