ኢትዮጲያ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ኣምባሳዶር መዚዛ/ Ethiopia Appoints New Ambassador to Eritrea

Updated: Apr 15

መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ንኣቶ ምሕረትኣብ ሙልጌታ ሃይለ ኣብ ኤርትራ ሓዲሽ ኣምባሳዶር ኮይኑ ክሰርሕ ከም ዝመዘዞ ሎሚ ኣፍሊጡ። እቲ ሓዲሽ ኣምባሳዶር፡ ኣብ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ዳይረክቶር ጀነራል ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጲያ ኮይኑ ይዓዪ ምንባሩ ክፍለጥ ተካኢሉ።


ኣቀድም ኣቢሉ ድሕሪ ሰላም ኤርትራ-ኢትዮጲያ፡ ቀዳማይ ኣምባሳዶር እታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዝተመዘ፡ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን፡ ተሳሒቡ ናብ ደረጃ ስተይት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጲያ ከም ዝተሰጋገረ ይፍለጥ።



ኣምባሳድር ምሕረትኣብ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ፡ ብምሕደራ ስነ-ፍልጠት ዲፕሎማ ክህልዎ ከሎ፡ ብስነ-ቁጠባ ዉን ካብ ኢቫኖቭድ ዩኒቨርስቲ፡ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ማዕረግ ኣብ 1989 ክረክብ ክኢሉ'ዩ።


ኤርትራ፡ ኣብ 2019 ንሚኒስትር ትምህርቲ ነበር ሚኒስተር ሰመረ ርእሶም፡ ኣምባሳድራ ኣብ ኢትዮጲያ ጌራ ከምዝሸመቶ ይዝከር።


ሰናይ ናይ ስራሕ ዘበን፡ ንኣምባሳድር ምሕረትኣብ ሙሉጌታ!

NationalEr Interest

61 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.