ናቋ ዶራን-ጋላቢ.....፡ ምግሳጽ "ንኢ-ፍትሓዊ ኣተሓሳስባና"!

Aug 22, 2020 | By Eng. Jenay Ghebregherghish Ghebremariam | መቅድም ስእሊ፡ Tesfanews


ዶራን-ጋላቢ ፈርጣጢ፣ እቲ ድግድጊት ተዓጢቁ ንእከይ እምበር፣ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ምሉቅ ኢላቶ ሰናይ ነገር ናይ’ዛ ሃገር ንክዛረብ ትብዓት ዘይረኸበ ነቋዊ እዩ።


ጭቡጥ ጉድለታት እንተሎ፣ ግቡእካ እናገበርካ ከምድላይካ ንመንግስቲ ክትነቅፍ መሰልካ እኳ እንተኾነ፣ ቅድሚኡ ግና መንግስቲ ንዝሰርሖ ዘሎ፣ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኖም ኩሉ ውልቃዊ ረብሓታቶም ገዲፎም ሃገር ዝሃንጹ ዘለዉ፣ ክብርን ምስጋናን ክትህብ ከምዘለካ ምፍላጥ የድሊ። እንድሕር ነዚ ዘይትፈልጥ ኮንካ ድማ ክብሪ ምሃብ ተማሃር ተላመድ፣ ንጸለመ ጥራይ ኢልካ ግና ኣይትንባሕ።

‘’ዶራን-ጋላቢ ፈርጣጢ’’፣ እቲ ናይ ገዝኡ መኣዲ ገዲፉ ፍንጥራዕ ኢሉ ንስደት ዝኸደ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብእንጀራ ጓኖት ጸጊቡ ንመንግስቲ ክጻረፍ ዝውዕል ዘሎ ብደምበ-ዕንክሊል ዝተዘንበ ‘’ዝሉቅ-ኣእምሮ ስዱድ-ኤርትራዊ’’ እዩ።


ኣነ ‘’ዶራን-ጋላቢ ፈርጣጢ’’ እንተኾይነ፣ ኣብዚ ኣውሪደዮ ዘለኹ ጽሑፍ ከተጠቃልሉኒ ትኽእሉ ኢኹም። ብወገነይ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ዓበይቲ ዓወታት ክብርን ዋጋን ምሃብ ይኣምን፣ ብግምጣል ምንእኣስ ኣይድግፍን።


ኣብዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ሓቂ ረጊጽካ ዝግበር ብዙሕ ረባሺ ናቋታት ይስማዕ እዩ። ዘጽሓፈኒ ንገለ ካብኡ ኣልዒልካ ኣብዚ ርድኢትካ ምክፋል እዩ።


#ናቋ ዶራን-ጋላቢ ‘’ኣስመራ ማይ የለን’’


ኣብ ዓዲ ሃሎ ዓቀኑ ልዕሊ 45 ሚልዮን ኩቢክ-ሜተር ክሕዝ ዝኽእል ዲጋ ብመንግስቲ ተሰሪሑ እናሃለወ፣ ነዛ ብሰለሰተ ፊስቶ ክትመልእ እትኽእል ኣብ ኣስመራ ዘላ መናፈሻ ዓቀበት ማይ-ጃሕ-ጃሕ ነቂጻ ማይ ተሳኢኑ ኢልካ ስእልታት ሼር እናበልካ ምንቃው እንታይ ማለት’ዩ?

ቅድሚ 1991 ዓ.ም ናጽነት ኤርትራ፣ ብዘይካ’ዛ ኣብ ኣባርዳእ ማይ-ነፍሒ ዘላ ዲጋ፣ ካልእ ንኣስመራ ዝምግብ ዓቢ ምንጪ ማይ ወላሓንቲ ኣይነበረን። መንግስቲ ግና ክመጽእ ዝኽእል ሽግር ማይ ኣስመራ ተረዲኡ ወራር ወያነ እናተኻየደ እንከሎ(1998-2001 ዓ.ም) ፣ ኩሉ መዋጥር ገዲፉ ንዲጋ ቶኮር (Concrete Dam) ሰሪሕዎ።

መንግስቲ ካብ ግዜ ወራር ወያነ ኣትሒዙ፣ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ኣስታት 1 ቢሎዮን ኩቢክ-ሜተር ዝኣክል ማይ ንምዕቃብ ከም ሸቶ ወጢኑ ብምሓዝ፣ ልዕሊ 300 ዓበይትን ነኣሽቱን( Dams and Micro dams) ዲጋታት ኣብ ሽዱሽተኡ ዞባታት ብምስራሕ፣ ልዕሊ 850 ሚልዮን ኩቢክ-ሜተር ማይ ክዕቅብ ክኢሉ።


እቶም ቀንዲ ስትራተጂካውያን ዓበይቲ ዲጋታት ንምዝርዛር፣-

1. ዲጋ ከርከበት - 300 ሚልዮን ኩቢክ ሜተር( ናብ 600 ሚልዮን ንከዕብይዎ መደብ ኣሎ)

2. ዲጋ ገርገራ - 70 ሚልዮን ኩቢክ ሜተር

3. ዲጋ ጋሕተላይ - 50 ሚልዮን ኩቢክ ሜተር

4. ዲጋ ሎጎ(ዓዲ ሃሎ) - 45 ሚልዮን ኩቢክ ሜተር

5. ዲጋ ገርሰት - 25 ሚልዮን ኩቢክ ሜተር

……ወዘተ


#ናቋ ዶራን-ጋላቢ፣ ‘’ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ተዓጽዩ’’


ኣብ 8ይ ክፍሊ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲልኒ ኢልካ ትምህርቲ ኣቋሪጽካዮ ንስደት ዝፈርጠጥካ ዶራን ጋላቢ፣ ኣሽንኳይዶ ዩኒቨርስቲ፣ ነታ 12 ክፍሊ (High School) እውን ክትውድእ ዘይከኣልካ፣ ሕጂ ዝነፈሰ ቢራ ለፊፍካ ፣ ‘’ዩኒቨርስቲ ተዓጽዩ’’ ኢልካ ንከተምስል ምንቋውካ መዓስን ኣበይን ኮንካ ኢኻ ክትመሃረሉ ሓሲብካ?

መንግስቲ ነዚ ሓድሽ ዝተሃነጸ ኮለጅ ኢንስቲትዩት ተክኖሎጂ ኤርትራ(EIT) ማይ-ነፍሒ፣ ንቻይናውያን ኮንትራት ብምሃብ 33 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ኣስሪሕዎ።


መንግስቲ ነዚ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ እንከሎ፣ ክሳብ’ዛ ትማል ህወሓት ናብ መቀለ ዝሃደመትላ መዓልቲ፣ ኢትዮጵያ ‘’ኣብ ርእሲ ኤርትራ ኵናት ክኸፍት ኢየ’’ ኢላ እናኣፈራርሐት እንኮላ’ዩ እዚ ኩሉ ተሃኒጹ። ኢትዮጵያ ነፈርትን ታንክታትን ትዕድግ ነይራ።

1 ነፋሪት ሶኾይ (SU-27)፣ ዋጋኣ 30 ሚልዮን ዶላር እዩ። ዳርጋ ማዕረ ዋጋ መስርሒ ናይ ኮለጅ ማይ-ነፍሒ ማለት’ዩ።

1 ታንኪ ናይ ቀደም ሞደል (T-55) ፣ ዋጋኣ 30 ሽሕ ዶላር እዩ። እዚ ድማ ዳርጋ ማዕረ ዋጋ መስርሒ ሓንቲ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ(High School) ማለት’ዩ።


መንግስቲ ኤርትራ ግና ብፍርሒ ተዋሒጡ ዘይኮነ ኣጽዋር ዝገዝእ ነይሩ፣ ካብ ድሕሪ ቅሉዕ ወራር ወያነ ጥራይ፣ ብገምጋማዊ ዋጋ 6 ሶኾይ ነፈርቲ ዝውድእ 6 ኮለጃት ሃኒጹ። ዋጋ 200 ታንክታት ዝኸውን ናይ መባእታን፣ ካልኣይን ፣ ማእከላይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲታት ሃኒጹ።


ውጥን መንግስቲ ኤርትራ ዝገልጽ ኣብ መፋረቅ 90ታት፣ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዝነበረ ዓሊ-ሰይድ ዓብደላ ይጠቅሶ ካብ ዝነበረ፣ ካብ 2000 ዓ.ም ንድሕሪት፣ ሽዱሽተ ኮለጃት ኣብ ሽዱሽተኡ ዞባታት ኤርትራ ክንከፍት ኢና ኢሉ ነይሩ።


ብመሰረት ውጥን፣ ተግባራውነቱ ድማ፣-

ኣብ #ዞባ_ማእከል

1. ኮለጅ ኢንስቲትዩት ተክኖሎጂ ኤርትራ(EIT) ማይ-ነፍሒ

2. ኦሮታ ናይ ሕክምና ቤት-ትምህርቲ

ኣብ #ዞባ_ደቡብ

3. ኮለጅ ጥበባት ዓዲ-ቀይሕ

4. ኮለጅ ቢዝነስን ቁጠባን ሓልሓለ

ኣብ #ዞባ_ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ

5. ኮለጅ ባሕራዊ ተክኖሎጂ ምጽዋዕ

ኣብ #ዞባ_ዓንሰባ

6. ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ


ከምቲ ዝተባህለ፣ ብዘይካ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካን፣ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ኩለን ዞባታት ተኸፊቱ። ኣብ መጻኢ ንዞባ ጋሽ-ባርካ ዝውክል ሓደ ወተሃደራዊ ዩኒቨርስቲ ኣብ ሳዋ፣ ከምኡ’ውን ንዞባ ደቡባዊ ቀይሕ-ባሕሪ ዝውክል ሓደ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓሰብ ብምወሳኽ፣ ማዕረ ምቅረሐ ከምዝህሉ ንምግባር ዘጸግም ኣይኮነን።


#ናቋ ዶራን-ጋላቢ፣ ‘’ኣስመራ ጽርግያታታ ተፋሒሩ’’


ኣነስ ካብ ውሽጢ ልበይ ንኣስመራ ምጭውቲ ማራ ማራ እንድየ ዝፈትዋ፣ ግና ከኣ ኣስመራ ማለት ኤርትራ ማለት ኣይኮነትን። ናይ ኣስመራ ህንጻታታ ተፋሒሩ ማለት፣ ኤርትራ ተፋሒራ ማለት ኣይኮነን።

ብመንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዝተሰርሑ ጽርግያታት ኣብዚ ምዝርዛሩ ከየሰልቹ፣ ኣብዚ ሕጂ ዓመት ዝተጀመረ ካብ ኣስመራ-ሕምብርቲ-ሓበላ ቆሪጹ ጋሽ-ባርካ ዝወርድ፣ ንከበሳ ምስ ቆላ ኣራኺቡ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝቅጽል ስትራተጂካዊ ጽርግያ ብ 150 ሚልዮን ዶላር ይስራሕ ኣሎ። መንግስቲ ነዚ ገዲፉ ንኣስመራ ምሕዳስ ጠፊእዎ ማለት ድዩ?


እሞ ንምንታይ ደኣ ነኣሽቱ ድኻማት ናይ’ዛ ሃገር እናኣምጻእካ ኣብ ፈይስ-ቡክ ዓጀው ምባል?


ቀዳምነት፣ ቁጠባዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ብዙሓት ዓድታት ዘራኽብ ጎሮሮ ሃገር ክኸውን ዝኽእል ጽርግያ ምስራሕ ክኸውን ከሎ፣ ሰብ ንኽርእየልካ ኢልካ ንኣስመራ በለጭ-ለጭ ምባል ከኣ ካልኣዊ እዩ።


እቲ ዘስሕቅ፣ እቶም ኣብ ፈይስ-ቡክ ስእሊ ናይ ኣስመራ ተፋሒሩ እናበሉ ሼር ክገብሩ ዝውዕሉ፣ እቶም ናይ በሓቂ ሕንቁቃት ኣዝማሪኖታት ዘይኮኑስ፣ እቶም ኣብ ህድሞን ኣጉዶን ዓብዮም ዓድታቶም ብበቅሊ ጥራይ ዝእቶ ዝነበረ’ሞ ሳላ መንግስቲ ዝረሃዎም፣ እሞ ከኣ ንባዕሎም ኣስመራ እንታይ ትመስል ከይረገጽዋ ጋሊቦም ንስደት ዝነፈጹ ምዃኖም እዩ።


ዶራን-ጋላቢ፣ ሕጂ’ውን ብናይ ጓኖት ከተማታት ኣይትስከር። ኤርትራ ብሓደ ለይቲ ጀርመን ኣይትኸውንን፣ ኣስመራ ድማ ብሓደ ለይቲ ሎስ-ኣንጀሎስ ክትከውን ኣይትጸበ።


#ናቋ ዶራን-ጋላቢ፣ ‘’ባኒ የለን ፣ ልቺ የለን’’


መንግስቲ ኣብ ባንን ነዳድን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ምስ ኣልዓሎ፣ ናብ ልምዓት ከውዕሎ ዝኽእል ዓመታዊ ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ትርፊ ይረክብ ነይሩ። ምስ ኣብቲ እዋን ዝተተኽለት ሓዳስ ፋብሪካ ስሚንቶን ካልእ መኻልፋት ተወሲኽዎን ዘጋጥም ዝነበረ ሕጽረት ጸዓት ፣ ሳዕቤናት እገዳ፣ ካልእ ምኽኑይ ኣብዚ ዘርዚርካ ከተብርሆ ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ….…ወዘተ ብድሆታትን ነይሩ’ዩ ግና ከኣ እናተሰግረ እዩ።

ብባኒ ዝዛረብ ሰብ፣ ኪድ ማሸላ ለንቂጥካ ቅጫ ብላዕ እዩ’ቲ መልሲ። ኮካ የለን ዝበለ’ውን ኪድ ማይካ ስተ። ንጥዕናኻ ከማን ቅጫን ማይን ይሓይሽ። ባኒ ብዘይካ ኣብ ከተማታት፣ ገለ ኣብ ገጠራት ዘለዉ ኣስኮብሊታት መምሃራን ሓካይም ገዲፍካ፣ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ሃገርና ሓረስታይ ኮይኑ ቅጫ ጎሚዱ ዝኸይድ እዩ።


ኣብ ዓዲ ፍኝዕ ዘሎ ሓረስታይ ባኒ ሃልዩ ኣይ ሃልዩ እንታይ ይባቁጠሉ?። በተን ንባኒ መግዝኢ ዝተሓስባ ናይ ድጎማ ገንዝብ ገይርካ ዲጋ እንተሰሪሕካሉ ግና ጀርዲን ገይሩ ሓምሊ ተደሪሩ ይሓድር።


እዚ ባኒ ኮካ እናበልካ ዝስራሕ ፖለቲካ ናዓይ ፍጹም ኣይርደኣንን እዩ። ናይ ሕሱራት ፖለቲካ እዩ። ሰብኣይ ብመግቢ ክዛረብ ነውሪ እዩ። እዞም ኣብዚ ፈይስ-ቡክ ምኒን ዝብሉ መቸም ዳርጋ መብዛሕትኦም ንፈልጦም እንዲና፣ ንኸብዶም ጥራይ ዝነብሩ ግዙኣት እዮም። ገሊኣቶም ደኣ ነቲ ዝበኽይሉ ዘለዉ ባኒ’ውን ሳላ መንግስቲ ኣብ ሳዋ ወይ ኣብ ኮለጃት ዝፈልጥዎ እዮም።


ብቀሸም ኩቦ ትኪ ዝተሰንከተ ቅጫ በሊዕካ ዓቢኻስ፣ ሕጂ ኣብ ኣውሮፓ ኣመሪካ ስለዝኣተኻ ባኒ ኮካ ባኒ ኮካ ባኒ ኮካ… !!! ዝዓበናሉ ህይወት ኣይንኽሓድ፣ ሃገርና ትባረኽ ንበል።


እዚ ጽሑፍ ነዊሑኒ ብዘይ መደምደምታ ክዛዝሞ……….


ከዘኻኽረኩም፣ ኣነ’ውን ምስ #ናቋ ዶራን-ጋላቢ ከተጠቃልሉኒ ትኽእሉ ምዃንኩም ልዕል ኢለ ሓቢረኩም እየ።

...........ከምኡኢታት እዩ።


NationalEr Interest

513 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.