(ትግሪኛ) ERITREA፡ The Only Potential Solution for Ethio-Egypt Crisis፡ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ...?

ቅድሚ ክልተ መዓልታት፡ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ግድብ ተሃድሶ (GERD) እንታይ ክኸዉን ኣለዎ ትብሉ...?

....ክንብል፡ 5 ነጥብታት፡ 6ይተን ንተወሳኺ ሓሳባትኩም ከተፍስሱ ከም ዝገደፍና ይዝከር። እተን ነጥብታትን ጽሑፍን ኣብ ታሕቲ መርበብና (Ref. #01) ኣለዋኩም።


ብሓፈሻ ግን፡ ኣዚዩ ጽቡቕን ሃናጽን ክትብሎ ትኽእል ናይ ኣስታት 120 ሰባት ትኹኑ ተሳተፍቲ ሓሳባት ረኺብና። ንእግረ መንገድና፡ ብኩሉ ሸነኻቱ ፖለቲካዉን ማሕበረ-ቁጠባዉን ደረጃ ንቅሓት ዜጋታትና/መንእሰያትና ንላዕሊ ገጹ ይዉንጨፍ ምህላዉ፡ ዘመላኽት ነጥብታት ኮይኑ ረኺብናዮ።


ሓደ ዜጋ፡ ኣብ ትማል ተሞርኪሱ፡ ኣብ ሎሚ ንጽባሕ ክሳብ 5 - 6 ኩርናዓ (Angle Or Dimensions) ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ከጥሪ ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ፡ "Good Job!".


ንኺድ ናብቲ ሓባራዊ ትዕዝብቲ፡ ዝበዝሐ ተሳታፊ...ዳርጋ 80% ክትብሎ ትኽእል ኣብ'ታ 5ይቲ ነጥቢ'ዩ ረጊጹ።


"5. መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ጠሚቱን፡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ኣካይዱን፡ ንክልቲኦም ወገናት እንተላይ ሱዳን፡ ኣብ "ንኣፍሪቃዊ ሽግራት ኣፍሪቃዊ ፍታሕ" ኣሚኑ፡ ክሽምግሎምን፡ ክዓርቆምን ስጉም'ቲ ምዉሳድ...!"

ግድብ ተሃድሶ ማይ ምምላእ ክጅምር 12 መዓልታት ጥራይ ይተርፎ፡ ኤርትራ ከኣ ዳርጋ እታ እንኮ ናይ ፍታሕ ዕድላት ክትከዉን ትኽእል ሃገር'ያ ተበልናያ ምግናን ኣይኮነን።

ቅድሚ፡ "ስለምንታይ መንግስቲ ኤርትራ፡ እዚ ጉዳይ ኣገዲስዎ ኣብ ምፍትሑ ተተሳተፈ ኣይጽላእን'ዩ?"፡ ወይ ዉን ናይ ገለ ሰብ ርኢቶ "ጉዳይና ኣይኮነን"፡ ብኸመይ ይጸልዎና፡ ዝብል ሕቶን መልስን ምእታዉና፡ ገለ ትዕዝብታትን ምዕባሌታትን ብዛዕባ ግድብ ተሃድሶ ክንዉስኽ።


ጉዳይ ግድብ ተሃድሶ፡ ካብ ኢድ ሰብ ዋና ወጺኡ፡ ናብ ኣሜሪካ፡ ሕ/ሃገራት...ወዘተ ዕንክሊል ክብል ተዓዚብና፡ ኩላ ከኣ ብናይ ገዛእ ርእሳ ረብሓ ጥራይ ክትሪኦ ይቀላ።


ንኣብነት'ሲ፡ ኣሜሪካ ንኢትዮጲያ ኢላታ፡ "ደሓን እዚ ምምላእ ግድብ ተሃድሶ ይጽናሓልኩም ወይ ኣናዉሕዎ...ኣብ ክንድኦ ተተካኢ ጸዓት ክትጥቀሙ"፡ ዝብል ሓሳብ ከቅርብሎም ጥራይ ዘይኮነ ከፈርምዎም ክሓስቡ ከለዉ፡ በቲ ምስ ግብጺ ስትራተጂካዊ ረብሓታቶም ንምሕላዉ፡ በቲ ከኣ "ጠለባት (Demand)" ፈጢሮም፡ ባዕላቶም ምስ ትካላቶም ከኣ "ቀረባት (Supply)" ናይ ተተካኢ ጸዓት ክኾኑ ዝሓሰብዎ'ዩ።

ወዮ ደኣ፡ ነቲ ዝቐረበ ዉዕል ሰነድ ኢትዮጲያዉያን ነጺጎሞ፡ ከም ግብረ መልሲ ከኣ እኩል'ዩ ኢልና ንሕለፎ እንበር፡ "ስለምንታይ ንግብጺ'ከ እዚ ኩሉ ዓመታት ተተካኢ ፈለግ ኒል ክኸዉን ዝኽእል ካልእ ምንጪ ማይ (ዋላ ከምዚ ናይ ሱዕዲን ኢማራትን ካብ ባሕሪ ማይ ምጽራይ) ዘይደለኹሎም...?" ብምባል ክምልስሎም ዉን ይኽእሉ ኔሮም።


ሱዳን ካብቲ ዳርጋ ኣብ ዶባ ተዶኪኑ ዘሎ (Only 25KM) ዓቢ ፕሮጀክት (Mega Project)፡ ስለምንታይ ቀንዲ ተረባሒት ምኳና ኣሚና ምስ ኢትዮጲያ ኢድን ጓንትን ኮይና ዘይትሰርሕ ኢልካ ክሕተት ይከኣል'ዩ።

ንሱዳንን ግብጽን፡ ክንዲ ስፍሓት መሬት ጂቡቲ (20,580SqK) ዝኸዉን ዘሰሓሕብ ግዝኣት ብ"ሓላይብ ስሉሳዊ ኩርናዕ" (Halayib Triangle፡ Ref. #02) ዝፍለጥ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ኣከራኻሪ ቦታ ኣሎ።



እዚ ካብ 1956 ምስ ናጽነት ሱዳን ተተሓሒዙ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ግዝኣት፡ ኣብ 1990 ግብጺ ብሓይሊ ኣብ ትሕቲ "ግዝኣት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ" (Red Sea Governorate) ኣእቲያቶ ኢያ። ብኡ ከይኣክል ከኣ፡ ንዉሳነን ምሕጽንታን ሕ/ሃገራት ዕሽሽ ኢላ፡ ኣብቲ ዞባ ዓበይቲ ወፍርታት ብምግባር፡ ቀንዲ መዓስከር ሰራዊታ ጌራቶ። ስለዚ፡ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ግድብ ተሃድሶ ክመጽእ ከሎ፡ ንሱዳን በዚ መጣልዒ ካርድ'ያ ብእዝና ወጢጣ ትሕዛ።

ብዝኾነ፡ ግብጺ ንዉሕስነት ማያዊ ረብሓታታ ኣብ ዞባ ተፋሰስ ኒል፡ ዳርጋ ኣብ ግዚኣት ባዛንታይን (Byzantine Empire, 395 - 1453AD፡ Ref. #03) ተጠቅሊላ ከላ ካብ ምምጻእ ክርስትና 4ይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዛ'ያ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ፡ ክትሰርሕ ከላ ከኣ ብዘይቅርዑይ ኣገባብ።


ኣብ ዞባና፡ ግርጭታት እንዳራባሕካ፡ ሃይማኖታዉያን ትካላት ብሩሑቕ እንዳተቋጻጸርካ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ዉን ወራራት እንዳፈጸምካ፡ ካልእ ኣዚዩ ፍሉይ ወፍርታት ኢያ ጌራትሉ።


ቅድሚ ፕረዚደንት ኢሰያስ ናብ ካርቱም ምጋሹ፡ ኣብ ጥንታዊት ወደባዊት ኣዱሊስ፡ ምብጻሕ ከካይድ ዝተዓዘብናዮ፡ ንምትእትታዉ ክርስትና ኣብ ዞባናን፡ ጥንታዊ መናድቅ ቤ/መቅደስ ንግስነት ባዜን ዉን ክፈሓር ከሎ፡ መግለጺ ክዋሃቦ ከሎ....ኪኖ ሓጽቢ ተሃድሶ መሰረትን ጠንቅን



ሽግራት እዚ ዞባ፡ ከም ባህሊ ሰሪጹ፡ ከም መትንታት ጅማዉትና ኮይኑ፡ ዓሚቕ መጽናዕትን፡ ነዊሕ ዘበናትን ጥራይ ተመሊስካ፡ ካብኡ ብዙሕ ኣዋህሊልካን ተማሂርካን፡ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል እምነት'ዶ ኣሕዲሩ ደኣ፡ ክትብል ይቅስበካ።


ምስ እምነትና ከይገራጨወና ደኣ እንበር፡ ኣብ ኤርትራ ኦርቶደክሳዊት ቤ/ክርስቲያን ካብ ሲኖዶስ ኣሌክሳንደሪያ ነጻ ወጺኣ፡ ባዕላ ክትመሓደር ከቢድ ቃልሲ'ዩ ተጌሩ፡ መንግስቲ ከኣ ክዉን


ጀለሉ ይዉዕል ኣሎ። ግን፡ ናጽነት ክበሃል ከሎ ካብ ጎቦጣ መሬት ጥራይ ኣይኮነን፡ ንሕና ንኹን ዞባና ካብ ኩሉ ስዉርን ግሁድን ንናይ ደገ ሽርሕታት ክካየደሉ ዝኽእል ኣገባባት ዘቃልዕ፡ ነጻ ክንወጽእ ኣለና።


ዞባና ኣብ ሓደ እዋን ዝሓየለ ህዝቢ ይዉንን ኔሩ፡ ደሓር ገሊኡ ብበዓልን-ስራሕን ዝሕላገቱ፡ ንመሃዝትን ተመራመርትን....ጠቢባን ቡዳ እንዳበለ ዘዳኽም፡ ንስነ-ጥበባዉያን ዘቆናጽብ፡ ሃይማኖት ክርስትና በቲ ሓደ፡ ንምትፍናንን ግርጭታትን ከም ዝደለኻዮ ክትርጉሞ ዝቀለለ እትኽእል፡ እምብራጦሪያ ዓረባዉነት (Arab Empire) ተሰኪሙ ዝሸብብ፡ ሃይማኖት ምስልምናን ዉን በቲ ካልእ ግን ተረሚሱ ተሪፉ።

ኣብ ግዜ ስርዓት ጀማል ዓብደልናስር፡ ግብጺ ሰዉራ ኤርትራ ክጅመር ከሎ፡ ቤ/ጽሕፈት መሪሒነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ካይሮ ክትከፍት ከላ፡ ድሌት ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝነበራ ድዩ ዋላ ካልእ ኣጀንዳ ኔርዋ?


ኣይኮነን፡ ካልእ ኣጀንዳ እንበር ኔርዋ....!!!


ኣብ'ቲ ደሓር ዉን፡ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ንገለ ወገናት መሪሒነት ተሓኤ-ጀብሃ ዝነበሩ እሞ ደሓር፡ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ዝወገኑ፡ ዘይነዓቕ ሎጂስትኪ ኣጽዋርን ዕጥቅን ዉን ዘበርክቱ ዝነበሩ ባእታታት፡ ንከም በዓል ዑሱማን ሳበ ዝኣመሰሉ ጸለዉቲ ዜጋታት፡ ኣብ ሳሕል ጸጸዊዓ፡ "ምግዳል እንተኮይኑ፡ ካብዚኣ ሳሕል ኢና ንብገስ፡ ወይ ምሳና ኣብዚ ተጋደሉ፡ ወይ ድማ ኩሉ ግደፍዎ!" ኢላቶም ይበሃል።

"ብጽፍርኻ" ዝበሃል ብሂል፡ ባሽኩቲ ዓዲ ዓረብ-ሓገዝ ሳበ ምስ ተረፈ'ዩ ይበሃል። እንበር፡ ግብጺ ከም ቃሕ ዝበላ ነቲ ጓህሪ ንመዋእል ከምዘይጠፍእ ናይ ምግባር ኩነታት ምፈጠረት።


ፖለቲካዊ ጽጋዕተኝኘት (Political Dependence) ሽዑ እንተተቆሪጻ፡ ካልእ ናይ ሃይማኖት ኮነ ማሕበራዊ እምነታት ዉን ክቁረጽ ጥራይ'ዩ ዘለዎ። ነዚ ከኣ፡ ኢትዮጲያ ሓላፍነት ወሲዳ ክትሰርሓሉ ይግባእ ኔሩ፡ የግዳስ ዓባይ በጊዕ ዒያዉታ ሒዛ ትጠፍእ ከም ዝበሃል፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዝሓየለ ጎኒ ናይዚ ዞባና ዝኾነ ህዝቢ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ትማል 2018፡ ናይ ጥፍኣት ስጉምትታት ጥራይ ክትወስድ፡ መሳርሒ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዓለምና ኮይና ተሪፋ፡ ኣትሪፋትና ከኣ።


ሕጂ ዉን እቲ ዘሎ ዛዕባ፡ ኣብ ጉዳይ ተፋሰስ ኒል፡ ንኢትዮጲያ ወይ ሱዳን ጥራይ ከም ዝምልከት ጌርካ ምርኣይ ነዉሪ'ዩ። ንመላእ ዞባ ሃገራት እዚ ከባቢ፡ ንጸጥትአንን ናይ ሓባር ረብሕአንን (Security & Interest) ዝትንክፍ ክሳብ ዝኾነ ሰላማዊ ፍታሕ ሃሰዉ ምባል ኣገዳሲ ይገብሮ።

ልክዕ'ዩ፡ ከምቲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝበሎ፡ መለስ ዜናዊ ኣብ ሓደ ኣኼባ ንሓደ ሚኒስተር ናይ ግብጺ ከቆጥዕ ኢሉ፡ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ሓጽቢ ኣባይ ክንሰርሖ ኢና ምስ በለ፡ ቾብ ዝብሉ ከኣ ረኺቡ፡ ግዚኡ ሓሊዩ ካብ ብልሽዉና ናጻ ኮይኑ፡ ብቅርዑይ ምህንድስናን ምሕድራ ፕሮጀክትን፡ ብዉሽጣዊ ዓቅምን ዉን ተደሪኹ ክስራሕ ይግብኦ ኔሩ ክኸዉን ይክእል፡ እንተኮነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተጀሚሩስ ኣብ ምዝዛብ በጺሑ፡ ህዝቢ ኢትዮጲያ ከኣ ናይ ምጥቃም ልኡላዊ መሰል ኣለዎ ንብል ኣለና።


ገለ ገሌና ሕሙማት ኢና፡ መለስ ይጀምሮ ሓደ፡ ብዓይኒ ኣገዳስነትን ረብሓን ናይ ምርኣይ ዓቅሚ ክህልወና ኣለዎ። ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ዉን እኳ ሃጸይ ሃይለስላሴ'ዩ ሰሪሒዋ። እንተኮነ፡ ከምቲ ገለ ግሊኦም ንምዕጻዋ ክጣበቁላ ዝዉዕሉ፡ በዚ ናይ ሓጽቢ ተሃድሶ ናይ ኣረኣእያ ዓይኒ፡ ክትፈርስ ይግባኣ ኔሩ ማለት'ዩ።


እንተኮነ እቲ ክኸዉን ዘለዎ ሓቂ፡ እታ ዩኒቨርስቲ ምዕናዋ ክሳራ'ዩ፡ ፍጹም ተዓጺያ ምባል ዉን ሓሶት'ዩ፡ ንገለ ዓዉዲ ትምህርቲ ሕክምናን ኮሌጅ ጥዕና ኣስመራን፡ (Orotta Medical School & Asmara Health Science) ኣገልግሎት ትህብ ኣላ፡ ኣብዚ ጉዳያት ንረብሓታትካ ክትብል ከመይ ተማሓድሮ'ዩ ወሳኒ።


ስለዚ መጠቃለሊ ክንገብር፡ ጸጥታን ረብሓን ዞባና (Security & Interest) ተዋሒሱ ክነብር እንተኮይኑ፡ ኣብዚ ኤርትራ 2% ተበርክተሉ ዞባ ተፋሰስ ኒል ኣይኮነን፡ ኣብ ዝኮነ ጉዳያት ናይ ጸጥታ ሽግር ዝፈጥር፡ ሓባራዊ ጽምዶን ስራሕን የድሊ። ኤርትራ ከኣ ነዚ ጉዳይ ግድብ ተሃድሶ፡ ጌና ጋሻ'ያ ዘላ፡ ዘለዋ ቦታን ፖለቲካዊ ጽልዋን ተጠቂማ፡ ካብ ናይ ኪናት ፍታሕ፡ ካልእ ኣማራጺታት ኣብ ምንዳይ ተስፋታት ክህልዋ ግድነት'ዩ።


ኤርትራ፡ ኢትዮጲያ፡ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ጂቡቲ፡ ደ. ሱዳን ከምኡ ዉን የመን፡ ኣብዚ ዞባ ካብ ምትእትታዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ነጻ ዝኾነ ዉህድ ቀጽሪ (Integrated Block) እንተዘይፈጢርካ፡ ማዕረ እቲ ሓባራዊ ታሪኽን ዉርሻን (Shared History and Heritage) ዘለካ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ዉን ናይ ሓባር ሰላምካን ረብሓታትካን ክትከስር ክትነብር ኢኻ።

ቀሊል ኣብነት፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ ግብጺ ኪናት ምስ ዝኣቱ፡ ከም ጃንዳ ወያነ ዝኣመሰሉ ፋሽሽታዉያንን ሽበራዉያንን ስርዓታት፡ ካብ ዝወደቕዎ ጉድጓድ ቁሩብ ርእሶም ኣቅንዕ ኣቢሎም፡ ካልእ ዞባዊ ስግኣትን ዕግርግርን ናይ ምፍጣር ሃዋህዉ ከመይ ከም ዝምዝምዝዎን፡ ንኤርትራ ዲኻ ዋላ ዓፋር ኣላቒብካ ከኣ፡ መሕብኢን መኸወልን ገበናቶም፡ ዝኮኖም ሓዲሽ ጂኦግራፊ ክፈጥሩ ዕድል ምሃብ ማለት'ዩ። ካልኦት ሓይልታት ወጻኢ ዉን፡ ነዚ ሽግራት ክምዝምዙ (ብመንገዲ Crisis Groups)፡ ግዜ ኣይወስደሎምን።


ኣምሳይኡ ግን፡ ከምቲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ዝበሎ፡ "ኣብዚ ዞባ ቻይና ትኹን ካልእ ሓይሊ ጸጥታይ ከተዉሕሰለይ'ያ፡ ኢልካ ትሓስብ እንተሊኻ...!" ካልእ ጉዳይ'ዩ። ኩላትካ ተሓጋጊዝካ፡ ጸጥታኻን ረብሓታትካን ክትንክፍ ዝኽእል ዕቁራት ጸገማት (Conflict Potentials)፡ ብሓባራዊ ጽምዶ ምብዳህን ዕቁር ፍታሕ (Potential Solution) ምንዳይን ግን፡ እቲ ፍታሕ እሞ፡ ንሕና ከም NationalEr Interestን ሕብረትሰብ ሃገራዊ ረብሓ (NationalEr Interest Society) ኣብ ቁጽሪ ሓሙሽተ ረጊጽና ኣለና፡ ከነምርሓ (Forward) ድማ ክንገብራ ኢና።


ዓወትንሓፋሽ!!!

NationalEr Interest


References፡


Ref. #01.

https://www.nationalerinterest.com/post/%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8C%BA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%88%B6-gerd-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8B%89%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%89


Ref. #02.

https://en.m.wikipedia.org/wiki/Halayib_Triangle#:~:text=With%20the%20independence%20of%20Sudan,claimed%20sovereignty%20over%20the%20area.&text=The%20description%20of%20the%20area,%C2%B0%2C%20is%20a%20straight%20line.


Ref. #03.

https://en.m.wikipedia.org/wiki/Byzantine_Empire#:~:text=The%20Byzantine%20Empire%2C%20also%20referred,modern%20Istanbul%2C%20formerly%20Byzantium).

876 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.