ማሕበር ጸጸት፡ "ታሪኽ ሰራውር'ዩ ፖለቲካ ድማ ፍረኡ"

ማሕበር ጸጸት፡ "ታሪኽ ሰራውር'ዩ ፖለቲካ ድማ ፍረኡ"

መንእሰይ ኤርትራ፡ ካብ ሕልፉ 40-50ታት እንተይ'ዩ ክመሃር ዘለዎ፡ ምስ ዘበን ኣምጽኦ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክባትን'ከ ከመይ ይትርጉሞ፡ የተኣሳስሮ....?

By Hani Ahmed G.,

Hani Ahmed Earned Bachelor of Art, from College of Art and Social Science, Adi-Keyh (CASS).

ዘመንና ዘመነ ሓበሬታን ቴክኖሎጅን ኢዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተራእየ ሱር በተኻዊ ለውጢ፣ መዓልታዊ ንጥፈታትና ኣብ ዙርያ ኢንተርነት ከምዝስረት ገይርዎ ኣሎ ። ሜድያ ሜዳ ኮይኑ የራኽብ፣የፋልጥ፡ የራጽም፣ የሰማምዕ ፣ የባእስ።እቲ ዝኸበረ ንብረት ዘመንና ሓበሬታ እዩ፡ ኣብ ዕዳጋታት ሜድያ ሓበሬታ ምስ ገፈል መፈሉ ካብን ናብን ይወናጨፍ። ፍልጠትን ዕርቃን ፍልጠትን ከም ማይ ነሓሰ ይዘንብ።


ኣእምሮ ወዲ ሰብ ሓበሬታ’ዩ ዝቕለብ። መዓልታዊ ንጥፈታቱ ንኸሰላስል ዘይተኣደነ ሓበሬታት የህልኽ። ዝበዝሐ ኣይክሽንን ኢዩ።ብኽኢላታት ከሸንቲ ዝተመስርሓሉን ዕሹግ ዜናታትን ወረታትን ክህንኩት'ዩ ዝመርጽ። እንታይ ትሕዝቶ ኣለዎ፣ ኣበይ ተሰሪሑ፣ ካበይ ምንጩ ብዙሕ ዝግድስ የለን። ጥራይ ነቲ ዘይዓግብ ሸውሃቱ ዘርዊ ይኸውን እምበር፣ ስቕ ኢሉ ክውሕጦን ክጎስዖን ጸገም የብሉን።



ነዚ ሸውሃት ዘስተብሃሉ ዝተፈላለየዩ ውልቀ ሰባትን ማሕበራትን መዓልታዊ ፍርያቶም ክዛይድ እንተዘይኮይኑ ክጎድል ኣይርአን። ጥዕና ዓማዊል ኣይንታዮምን ኢዩ።ዓማዊል እውን ዝኣኻኸኸብወን ጭልፍላፍ ሓበሬታት ኣገጣጢሞ ዝመስሎም ዛንታ ብምስናዕ የከፋፍሉ። ዕረ ብመዓር ተለኽዩ፣ ጽልኢ ብፍቕሪ ተሸፊኑ ፣ ኲናት ብሰላም ተዃሒሉ፣ ብዘብለጭልጭ ሽፋን ፍልጠት ተጠሪዙ ዘጌጸ ድንቁርና ዝሓቖፈ መርዛም ፍርያቶም ኣብ ከም በዓል ፈይስ ቡክን ዩትዩብ ዝኣመሰሉ መራኸቢታት ፣ ብዘይ ክፍሊት ይቕርቡልካ፡። ኣብ ደምበ “ ንሕናን” -“ንሳቶምን” ዝኸፋፍሉ ናይተ ተዋስኦ ሊቃት ስብከትና ጥራይ’ዩ ዘድሕን ዝብል ድርሳን ወሊዖም ለይትን መዓልትን ዓንገረር ይብሉ። መማይት መንፊትካ እንተዘይጸቢቓ ፣ መጻወቲ ኮይንካ ትተርፍ።


ኣብ’ዚ ግዜ ኣብ ዘተረኽበ መኣዲ ከይሓተተ ዝዓስል፣ ኢዱ ከይተሓጽበ ዝኹሉስ፣ እንታይ’ዩ ከይበለ ዝበልዕ ግዲ በዚሑ’ስ ሰብ ናብ ፍልጠት ገጹ ክስጉም ኣይርአን። ዝበዝሐ ሰብ እዚ ኣብ ሜድያ ዝቕለቦ ንቅልጽሙ እምበር ፣ ንኣእምሮኡ ከጠንክሮ ኣይከኣለን። ወዮ ብጭርምራም ሓበሬታት ቦታ የእምሮ ዝተክአ ንፉሕ ቅልጽም ኣብ ዝኾነ ክፋል ናይ ዓለም ኮይኑ የወጣውጥ ፣የጉርዕ፣ ይጭድር ፣ ይፍክር ፣ ይጻረፍ፡ገለ'ውን ዝመስሎ ይትንትን የስተንትን ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ኣብ ከም በዓል ፈይስቡክን ዩትዩብን መንደረጋሕ ጸርፍታትን ጽልእን ብቕዲ ብቲክ ታካ (ሓጺር ምቅብባል) ካብን ናብን ዝቀባበልሉ ሜዳ ተቐይሩ ይርከብ።


"ታሪኽ ሰራውር'ዩ ፖለቲካ ድማ ፍረኡ" ዝብል ብሂል ኣሎ። እዚ ማለት ታሪኽ ዘይፈልጥን ፣ካብ ታሪኽ ዘይመሃርን ሕብረተሰብ ኣድማዒ ፖለቲካዊ ባህልን ውዳበን ክሃንጽ ኣይክእልን።ኣብ ድርኩዂቱ ዝተገተረት ሓንቲ እምኒ ሰኣን ልቦና ወትሩ ትዕንቅፎን ካብ ኣፍ ኣፋፌት ቤቱ ምዕይ ከምዘይብል ትገብሮን። እዚ ናይ ለንቅነ ሃይማኖትን ዓሌትን ማእከል ዝገበረ ኣሰናዳው ደናጉላ ምስ ረኣኹ፣ መንእሰያት ንታሪኽ ብስሙ ጥራይ ከምንፈልጦ ይበርሃልካ። ከምዚ ንርእዮ ዘለና ድማ ዓሚቕ ኣፍልጦ ታሪኽ ዘይምህላውን፣ ካብ ሕሉፍ ጌጋጋት ዘይምምሃርን ዘዝነፈሰ ንፋስ ንሰብ ነው ነጀው ነውኒው ከውድቖ ጀሚሩ’ሎ።



ኣብ 1940’ታት ኣብ ሃገርና ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ምብህሃላትን ብዙሕ ጠቓሚ ተሞክሮታት ኣለዎ። ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕዳጋ ምስ ወረደ ኣብቲ እዋን ዝተላዕለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘደንቕ ኢዩ። ሕቶታትን ብድሆታትን ናይቲ ግዜ ደጊሞም ክንገዱ'ሞ ሰኣን ፈሊጥካዮም ምጽናሕ እንደገና ክዕንቅፉ ይረኣዩ።ኣብቲ ንመሰል ህዘቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ቀዳሞት ኣቦታት ዝገበርዎ ቃልሲ ግርህነት ፣ ጉርሕን ሽርሕን፣ ህርፋን ስልጣን፣ ኣርሒቕካ ዘይምጥማት፣ኣምራት ሓድነት ዘይምርዳእ፡ኣብ ጸበበቲ ኣተሓሳስባት ምዕቋብ ገለ ካብቶም ባህግን ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ብምጭዋይ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈሉ ኢዮም።



ኣብቲ እዋን ዝነበረ ጸላዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ማሕበር ሕብረት ኢዩ። ስሙ ከምዘንፍቶ እዚ ማሕበር ዕላምኡ ምሉእን ዘይቅደመ ኩነታዊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኢዩ። እቲ ማሕበር ሰለስተ ኣካላት ኣቖሞሞ ነይሮም። ። ሕመረት ናይቲ ምንቅስቓስ ዝነበሩ ብሰንኪ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ዝተመንዝዐ ሚዛን ቤተ ክርስትያን ክመልሱ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣባላት ቤተ ክህነት ፣ ገለ መንቋሕቋታ ናይ ትምህርቲ ቀለም ቀመስ መኣምራንን ፣ መስፍናዊ ክብሮም ክመልሱ ዝደልዩ ዝነበሩ መሳፍንቲ ምዕራባውን ምብራቓውን ቆላታትን።


እዞም ሰለስተ ኣካላት ነናይ ውልቆም ዕላማታት ከተግብሩ ንሕብረት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ሓይለቦም ተቓለሱ። ንሓድነት ኣጽኒዕና ንመክት ንዝበሉ ጸማም እዝኒ ሃብዎም። ሃይማኖት ከም መወደብን መውቅዕን ፖለቲካዊ ዕላማታቶም ተጠቕሙሉ። ኣንድነት ዘይደገፈ ክውገዝ ተባህለ። ልኡኽ ጃንሆይ ኮሎነል ነጋ ሃይለሰ ንዘዝተፈጥረ ነቓዕ ኤርትራውያን ሓድ ሕድ ንምፍላም ተጠቕመሉ። ኣባላት ኣንድነት ( ናይ መንእሰያት ጨንፈር ማሕበር ሕብረት) "ኢትዮጵያ ወይ ሞት" ዝብል ጭርሖ ተዓጢቖም ኣይፋል ንኢትዮጵያ ንዝበለ ግዳይ ሞትን ሞቑሰልትን ገበርዎ። ብህይወት ዝተረፈ’ውን ስደት ሰፈረ ። ቃልሶም ጂኦፖለቲካዊ ኩነ

ታት ናይቲ እዋን ሓጊዝዎ ኣብ 1952 ብፈደረሽን ፣ ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ ድማ እታ ንንዊሕ ዝሓላምዋ ኢትዮጵያ ከተፍ ኢላቶም።ባንዴርኦም ኣውሪዶም ቋንቅኦም ለዊጦም ንጃንሆይ እናሰገዱ ተቐበሉ። ባህጎምን ክውንነትን ግን፡ .........ኣድግስ ተማህሊላ በላዒኣ ኣውረደት!


ኢትዮጵያ ሒዛትሎም ክትመጽእ ዝሓለምዎ ክብርን ሞጎስ ሽታ ማይ ኮነ ። ኣሸንኳይ’ዶ ናብ መንበረ ስልጣን ክመጹ መን ኢኹም ቢሉ’ኳ ዝግደሰሎም ኣይረኸቡን። ኣንበሳ ይሁዳ ጎልያድ ናይ ኣፍሪቃ፡ሕሩይ እግዚኣብሄር ንጉሰ ነገስተ ቀዳማዊ ዝተሰየመ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ዝመጠዎም ናይ ክብሪ ኒሻን ተቐቢሎም ሸነን ክብሉ ዝነበረ ባህጎም፣ ባህጎም ኣብ ምድረ በዳ ከም ዝተሓረሰ ግራት ተቐይረ። ጃንሆይ ከም ጓንቲ ሕክምና ተተጠቂሙ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ክእትዎም ቅጭጭ ኣይበሎን። እቲ ዛንታ ግን በዚ ጥራይ ኣየብቅዐን።



ውዕለት ናይ ጻዕሮምን ኣገልግሎቶምን በብቑሩብ ክኽፈሉ ጀመሩ።ንጉሰ ንገስት ፣ ጓህን ጣዕሳን ሕርሕራይ ገይሩ ሸለመሞም። ማሕብረት ሕብረት" ማሕበር ጸጸት" ተባሀለ። ብዋጋ ሃገርን ህዝብን ዝተፈጸመ ዘይወጽእ ጸጸት! በዚ ጥራይ’ውን ኣይሓለፈሎሞን። እቲ ንሓድነት መቑርሶም ጎስዮም ንነዊሕ ዝበሃግዋ ሓድነት ኢትዮጵያ ንደቆም፣ ንሰድራ ቤቶም እንተላይ ንዕኦም ከይተረፈ ጽዋእ ሞት ከተጨልጦም ነግ ፈረግ ኣይበለትን። ነዚ ምስ ረኣየ ሓደ ኣቦ ብምስቁርቋርቋር ከምዚ ከም ዝበሉ ይዝንቶ፣


" ኢትዮጵያ ወይ ሞት ነይሩ’ቲ ጸሎትና፣ ክልቲኡ ብሓደ ሂብና ፈጣሪና!"



እዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ዛንታ ማሕበር ሕብረት ፣ ነቶም ናይ ሽዑ ወለዶ ንምውንጃል ኣይኮነን። ነዚ ዘሎ ናይ ለንቅነ ሕማቕ ንፋሳት ፣ ገና ካብቲ ናይ " ጸጸት ማሕበር" ከምዘይተማሃርና ከብርህ ስለዝደለኹ ኢየ። ሽሕ’ኳ እቲ ሽዑ ዝተፈጸመ ስሕተት ብናጽነት ተደቢሱ እንተኾነ፣ በሰልኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ኤርትራዊ ክሳብ ሕጂ ኣይወጸን።ብስንኩል ትሕዝቶ ሓድነት ቤቱ ኣፍሪሱ በሕዋቱ ክዋገ ዝህቅን " ትንሳኤ ማሕበር ጸጸት" ክፈጥር ህርድግ ዝብል ዘሎ መንእሰይ፣ ነዚ ታሪኹ ገንጺልዎ ስለዘይፈጥል’ዶ ይኸውን፧



" ሃይማኖት ወይ ሞት! ኣውራጃ ወይ ሞት! ብሄር ወይ ሞት! ጽልአይ ወይ ሞት!" ዝብል ጭርሖታት ዝተሓንገጡ ምንቅስቓሳት ንማሕበራዊ ሜድያ ካብ ዝዕብሎልዎ ሒደት ኣይገበሩን። ቁጽሩ ዘይንዓቅ ዜጋ ነታ ኣብ ሳሃራ፡ ባሕርን ሲናይን ንስክላ ዘምለጣ "ሞት" ኣብ ሳሎኑ ተረይዑ ክዳፈራ ክትርኢ ከለኻ ናይ ክብርታት ጥፈሻ ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ የረድኣካ። ምናልባት እዘን ናይ ማሕበራዊ መድያ ናይ " ሞት" ምንቅስቓሳት፣ ካብቲ ናይ ኣርብዓታት ዝፈልየን ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ ደም ኣብ ዘይነጥረን ቦታ ኣራጢጠን ነቲ ተኸባቢሩን ተጻዋዊሩን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ክሞተለን ዝደልያ በለጸኛታት ምዃነን ኢዩ።ግዳይ ሸቃጦ ዝኾነን ነብያት ሓሶት ዓይኑ ዓሚቶም ዝመርሕዎ ልቡ ኣብ ደረቱ ጎበዝ ድማ ጠፋእኩ ፣ ተዘመትኩ ፣ ተቐተልኩ ኣብ ዝብል ዕውር ስምዒት ብምእታው መምስ ዝመጸ ሕሱር ዘመተታት " ቱታ" ክብል ይውዕል ኣሎ። ናይዚ ፍታሕ ፣


" ዓገብ በልዎ፣ ዓገብ ኣይንብሎን"

" ፐቲሺን ፈርሙ፣ ፐቲሽን ኣይንፍርምን"

" ይውክለና ኢዩ፣ ኣይውክለናን ኢዩ" ኣይኮነን።


እቲ ፍታሕ ሓድነት’ዩ። እቲ ፈውሲ ንቕሓት’ዩ።


ሓድነት ከምዚ ዘዘርክበ መጽረይ ኣፍ ዝገብሮ ሕሱር ኣምር ኣይኮነን። ሓድነት ትግርኛ ናይ ትግረ፣ እቲ ትግረ ናይ ብሌን፣ እቲ ዓፋር ናይ ሳሆ፣ እቲ ኩናማ ናይ ናራ ማስኬራ ተኸዲንካ ሓደ ምሰል ማለት ኣይኮንን። ሓድነት ንፍሉይነትካ ዓቂብካ ንቕድሚት ምስጓም ኢዩ። ሓድነት ንሓንቲ ሰንደቕ ምዝማር’ዩ። ሓድነት ንልኡላውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይምእታው ኢዩ። ሃገር ንሓደ ግዝኣተ ሕጊ ክትግዛእን ክትምዘዝን ምእማን ምኽኣልን ኢዩ ሓድነት ። ሓድነት ንጸገማትካ ብሓደ ምምካት፣ ንዕድላትካ ብማዕረ ምምሳሕ ኢዩ። ልኡምነት ሓድነት ኣይኮነን። ሓድነት ንጡፍ ኮይንካ ንሽግራትካ መፍትሒ ሃሰው ምባል’ዩ። ሓድነት ተኻበቢርካን ተጸዋዊርካን ምንባር’ዩ። ሓደ ምሕሳብ ሓድነት ኣይኮንን። ሓድነት ንዝተፈላለየ ሓሳባት ከተስተኣናግድን፣ ነቲ ዝሓሸ ክትክተል ናይ ምኽኣል ጥበብ ኢዩ። ብሓጺሩ ሓድነት ወትሩ ክንክን ዝደሊ፡ሓድነት ዝሓየለ......ሓይሊ’ዩ ! !



ቅድሚ ገለ ዓመታት "ሓደ ሰብ ንሕብረተሰቡ ከበርክተሉ ዝኽእል ዝበለጸ ነገር እንታይ ኢዩ፧ " ንትብል ሕቶ ሓደ መንእሰይ ብኸምዚ መሊስዋ ነይሩ። " እቲ ዝበለጸ ኣበርክቶ ናይ መንእሰይ ንሕብረተሰብ ንነብሱ ብሉጽ ምግባር ኢዩ።" እሞ’ኸ ነዓይ ተዘይሰማዕኩም ሞት’ዩ ዕጫኹም ትብል ዘለኻ መንእሰይ ነዛ ነብስኻ ሃኒጽካያ’ዶ፧ ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ዕድላት ትጥቀመሉ ትህሉ’ዶ፧ ወይስ ከም ጥንስቲ መዓልቲ ጸጸብጺብካ ነተን ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ትካቦ ከተቋምት፡ ሓቂ ዝተለጠፎ ጉሓፍ ካብ ዩቲብ ክትሃድን እዩ ጸሓይ ዝዓርበካ ዘሎ፧ እቲ ምእንትኡ "ክትሞተሉ" ሓደው “ከቐትለሉ”እናልካ ህርድግ ትብል ዘለኻ ሕብረተሰብ እንታይ ከተበርክተሉ ኢኻ እንተ ትበሃልሲ እንታይ ኮን ክኸውን ኢዩ መልስኻ፧


ሕራይ ስከ። ትምህርትስ ጺእካዮ፣ ስራሕ’ውን ኣይረኽብካን ንበል። ብዛዕባቲ ሓደው "ክትሞተሉ" ሓደው “ከትቀትለሉ” ህርድግ ትብል ዘለኻ ሕብረተሰብ ውሽጡን ትማሊኡን ትፈልጦዶ፧ ገለ ንታሪኽ ፣ ቁጠባ፡ንሃገር ፣ ፖለቲካ፣ ንመንነት ዝምልከት መጽሓፍ ኣንቢብካ ትፈልጦ’ዶ፧ መዓስ፣ ብኸመይ፣ ስለምንታይ ዝብሉ ሕቶተት ከይሓተትካ ፣ መመስ ዝተበገሰ ጋሻ ውሕጅ ዲኻ ትግስግስ ዘለኻ፧ መንፊት ኣላትካ'ዶ፧ እወ እንተዘኮይኑ መልስኻ፣ እዚ ሎሚ ዘሰራስረካ ዘሎ ጋሻ ውሕጅ ጽባሕ፣ ገፊዑ ኪንዮ ደንደስ ክድርብየካ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ስለዚ ሃየ ካብ ማሕበራዊ ሜድያ ውጽእ ኢልካ ኣንብብ፣ ሕተት፣ ፍለጥ። ስምዒት ኣወጊድካ ብርድኢት ተመራሕ። ሽዑ ንቕሓት ከመጽእ ኢዩ። ኣብ ንቕሓት ሓይሊ ኣሎ! ኣብ ንቕሓት ሰላም ኣሎ! ኣብ ንቕሓት ምጽውዋር ኣሎ! ኩሉ ኣብ ንቕሓት ኣሎ፣ ኣብ ንቕሓት ድማ ኩሉ ኣሎ!



(ሓድነት ንቕሓት ዝብል ቃላት ካብ ምድግጋሙ ከም ሕይኽ ዝወዓልካዮ ማስቲካ መቐረቱ ዝጎደለ ክመስል ይኽእል ይኸውን። ይደጋገም ግደፍዎ። ኣሸንኳይ’ዶ እዚ ኣድማሳዊ ሓቂ፣ "ሓሶት" ውን እንተ ተደጋጊመ ሓቂ ይኸውን ዝብል ፍልስፍና ጎብለስ ተጠቂማ "ሓቂ" ኢየ ኢላ ምሕላፍ ከሊኣትና ኣላ። )


ንምድምዳም ኣብ ብሄር ፣ ሃይማኖት፣ ዓሌት፡ኣውራጃ ካልኦት ጸበብቲ ካንሸሎታት ተኣኻኺብካ ንጎረባብትኻ፣ ብናይ ጽልእን ምስትንዓቕን መዛሙር እንዳረበሽካ ዝስራሕ ናይ ዕንደራ ፖለቲካ ፣ ንዘርኢ ዕንውትካ ድኹዕን ማይን ከም ምሃብ ኢዩ። ኣነስ ኣይፋልን " ብሄረይ፣ ሃይማኖተይ፣ ዓሌተይ ወይ ሞት" እንተኾይኑ’ቲ ሕርያ ግን፣ ምስ ንፋስ ከም ምቅድዳም ኢዩ። ምስ ንፋስ ተቐዳዲሙ ዝተዓወተ ክሳብ ሎሚ ኣብ ታሪኽ የሎን። ክህሉ’ውን ኣይኮነን! ምስ ንፋስ ተቐዳዲሙ ናይ ጸጸት ማሕበር ዞቖመ ግን መቑጸሪ የብሉን!


NationalEr Interest

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.