መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ግድብ ተሃድሶ (GERD) እንታይ ክኸዉን ኣለዎ ትብሉ...?


ጉዳይ ተፋሰስ ኒል፡ ምስ ምዝዛም ግድብ ተሃድሶ ኢትዮጲያ (GERD) ኣብ ወርሒ መስከረም ምምላእ ክጅምር፡ በቲ ከኣ ዳርጋ ካብ 2011 ኣትሒዙ፡ ን9 ዓመታት ዝቀጸለ ፍረ ዘይተረኽቦ ናይ ዉረድ-ደይብ ዉይይት፡ ኢትዮጲያ፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ኣብ ዕጹዉ ማዕጾ ከይበጽሐ፡ እቲ ወጥሪ መሊሱ እንዳተጋደደ ይኸይድ ምህላዉ'ዩ።

ኣብዚ ጉዳይ፡ መንግስቲ ኤርትራ ክሕዞ ኣለዎ ትብልዎ መርገጺ፡ ካብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት እንታይ ትብሉ...?


  1. ምስ ሓዲሽ ቀ/ሚኒስተር ኢትዮጲያን መንግስቱን ወጊንካ፡ ንተመላላኢ ዞባዊ ረብሓታትካን ጸጥታዊ ርግኣትካን፡ ኣንጻር ግብጻዉያን ብቅሉዕን ምሉእን ወተሃደራዊ ዓቕምኻ ምዕጣቕ፡

  2. ኣብ'ቲ ጉዳይ ልኡም ዝመስል መርገጺ (ዘይተገዳስነት) ወሲድካ፡ ንኢትዮጲያ ግን ወተሃደራዉን ጸጥታዉን ኣቃዉማ ግብጺ ኣጽኒዕካ፡ ስትራተጂካዊ ሓገዝ ምግባር፡

  3. ዲጋ ተሃድሶ፡ ልዕሊ ሚዛን ስምን ዝናን ዝተዋህቦ፡ ንህዝብታት ኢትዮጲያ ይኹን ዞባና ዋላ ሓንቲ ዘይዓብስ፡ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ጥራይ ዘገልግል ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብ'ቲ ጉዳይ ተዓዛቢ ጥራይ ምዃን (Watching the Action Movie..?)።

  4. ግብጺ ኣብ ምእላይ ስርዓት ኢህወደግ/ትህነግ፡ ገለ ዘይቀጥታዊ ተራ ኣለዋ ስለዝበሃል፡ ኣብ ጎኒ ግብጺ ተሰሊፍካ ንዲጋ ተሃድሶ ምስሃል....(እዚኣ ባዕሎም እቶም ካብ ወምበሮም ዝተኣልዩ ጃንዳን ካድራቶምን ዝደሊዋ ነጥቢ'ያ...ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ-Lol)፡

  5. መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ጠሚቱን፡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ኣካይዱን፡ ንክልቲኦም ወገናት እንተላይ ሱዳን፡ ኣብ "ንኣፍሪቃዊ ሽግራት ኣፍሪቃዊ ፍታሕ" ኣሚኑ፡ ክሽምግሎምን፡ ክዓርቆምን ስጉም'ቲ ምዉሳድ...፡

  6. ኣብ መወዳእታ፡ ናተይ ፍታሕ ትብልዎ...ቁጽሪ "6" ብምጥቃስ፡ ግለጹ፡



ገለ ነጥብታት ክበርሁ ዘለዎም፡


ከም NationalEr Interest፡ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ስልጣን ከሎ ኣትሑዙ፡ ከምቲ ሃገራት ዓረብ ብጥብ ትብል ባህሪያዊ ትሕስትኦም-ነዳዲኤን ምስ ዝኾነ ሃገራት ዓለምና ኣብ ናይ ዉረድ-ደይብ ጣዉላ ዘየዉርዳ፡ ኤርትራዉያን ዉን ብጉዳይ ባሕርናን ወደባትናን ዋጋ-ዕዳጋ ዘይንገብር፡ ኢትዮጲያዉያን ዉን ንጥብ ትብል ባህሪያዊ ትዕድልቶም-ማዮም ከም ድላዮም ክጥቀምሉ፡ ምሉእ ዘይጉድል መርገጺ ኔርዎን፡ ኣለዎን።

እንተኮነ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣሰራርሓን እቲ ፕሮጀክት ነቔፍታ ኔርዎ፡


  1. ሓደ ከም'ቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝብሎ ዝነበረ ክጅመር ከሎ ኣትሒዙ፡ ንፖለቲካዊ ሃልኪን ብልሽዉናን ኣብ ቅድሚት ሰሪዑ ክንቀሳቀስ ምፍታኑ፡ ዘይቅርዑይ ይገብሮ ኔሩ። ናይዚ ጭቡጥ ኣብነት ድማ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ብኽነት ናይ ወጻኢ ሸርፍን፡ እቲ ግድብ ድማ ካብ'ቲ ክዛዘመሉ ተመዲቡ ዝነበረ ግዜ (Project Time frame) ኣንደልሂጹ፡ ንልዕሊ ዓመት ተጓዒዙ። ምህንድስናዊ ዕዮ (Engineering Work) ብሓደ ሸነኹ ፈሪሱ ማለት'ዪ።

  2. ፍጹም ጂኦ-ፖለቲካዊ ጌጋ (Geo-political Error)፡ ብሃገር ደረጃ ዝስራሕ ስትራተጂካዊ ፕሮጀክት (National Level Strategic Projects) ተባሂሉ ዝጥቀስ፡ ከም ቀዳማይ ረቋሒ (Factor) ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ፡ ጂኦግራፊያዊ ድኮና/ኣቃዉማ እቲ ስራሕ ብዓይኒ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታትን ጸጥታን እታ ሃገር ክርአ ኣለዎ።

ግድብ ተሃድሶ እቲ ዝገርም ካብ ዶብ ሱዳን ናይ 25ኪ/ሜተር ጥራይ ርሕቀት ዘለዎ ኮይኑ ክህነጽ ምፍታኑ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኮነ ይኩን ኩነታት፡ ሱዳን ትኹን ንሱዳን ኣብ ቁልፈን ከእትዋ ዝኽእላ ሃገራት ወጻኢ፡ በዚ ጂሆ ክሕዙኻን፡ ከም መጣልዒ ካርድ ኩሉ ጸገማተን ክጥቀማሉን፡ ንኢትዮጲያ የቃልዓ።


3. ካልእ፡ ኣብ ዞባና/ከባቢና ክሳብ ተተሓሒዝና ካብ ጸገማትናን ሽግራትናን ክንወጽእ ዘለና፡ ዝኮነ ይንኣስ ይዕበ ዝስራሕ ፕሮጀክትታት፡ ብኣወንታዊ ዓይኒ ክንሪኦ ክቀለና ክኽእል ኣለዎ። ህዝብታት ኢትዮጲያ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሰፊሕን ሕሱርን ናይ ሓይሊ ጸዓት ኣገልግሎት ክረኽቡ እንተኪኢሎም፡ ዓቢ ድፍኢት ንዞባዊ ለዉጥን ምዕባለን'ዩ። ካብ ሕሙም ኣእምሮ ከኣ ክንወጽእ ኣለና፡ እቲ ፕሮጀክትታት ዝጀመረ ይጀምሮ፡ ኪኖ ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ ዕላቃት ኣል'ዓማ ርኢና፡ ኣወንታዊ ኣበርክትኡ ምርኣይ ክቅለና ክኽእል ኣለዎ።


4. ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጲያ፡ ሶማሊያ፡ ጂቡቲ፡ ደ. ሱዳን፡ የመን፡ እዚአን ሃገራት ንጥንታዊ ሓድጊ ስልጣኒኤንን ሓድ-ሕድ ምምሩኻስ ታሪኽን ዉርሻን (Shared History & Heritages) ገዲፍካ፡ ብዓቢኡ ተዶኪናሉ ዘለዋ ክፋል ዓለምና፡ ንሓባራዊ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታተንን ዞባዊ ጸጥታአንን ከዉሕሳ ክብላ፡ ይፍተዋ ይጽልኣ ፍጹም ብሓደ ኬንካ ምስራሕ የድሊየን።


መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ግድብ ተሃድሶ፡ ቁጽሪ ብምጥቃስ ሓሳብኩም ምክፋል ኣይትረስዑ፡ ብሓፈሻ ግን፡ እቲ ጉዳይ ብናይ "Cyber War" ከምዚ ኣብ ታሕቲ ትዕዘብዎ፡ ጀሚሩ ምህላዉ'ዩ። ንNISA ዉን መርበባት ሰነዳቱ ግብጺ ሰሪቃቶ/Hack ጌራቶ ይበሃል።


ዓወትንሓፋሽ...!!!

NationalEr Interest

327 views

©2019 Proudly created with NationalEr Interest.